c


ዜና ኤርትራ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ሃገራት ሕ.ኤ. ከኣይኣቱ ተኸልኪሉ

ናይ መጓዓዝያን ካርጎን ነፈርቲ ኤርትራ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ከኣይኣትዋ ተኸልኪለን። ealኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ዝርዝር ናይተን ውሕስነት ዘየብለን መንገዲ ኣየር ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ዘሐደሰሉ እዋን፣ ኣቐዲመን ተኣጊደን ዝነበራ መንገዲ ኣየር ሞሪታንያን ዮርዳኖስን ናብ ኤውሮጳ ክበራ ክፍቀደለን እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዝ ናብ ኤውሮጳ በረራ ከየካይድ ዝተኣገደ ናይ ኤርትራ ጥራይ’ዩ።

Read more...

ሚኒስተር ዑስማን፣ ኣብ እስራኤል ምስጢራዊ ዑደት ኣካይዱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ እስራኤል ምስጢራዊ ዑደት ኣካይዱ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ። እቲ ሚኒስተር ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓለን ኣርባዕተ መዓልታት፣ ምስ ሰበ ስልጣን እስራኤል ከምእተዘራረበ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

Read more...

ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ተጠንቅቕ

ቆንስላዊ ጉዳያት ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ፣ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ዘውጽኦ መጠንቐቕታ ዳግም ብምሕዳስ፣ ናብ ኤርትራ ክገሹ ወጢኖም ዘለዉ ኣመሪካውያን መገሽኦም ክስርዙ ጸዊዑ።

Read more...

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ምስዋሮም መንግስቲ ኡጋንዳ ኣረጋጊጹ

ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ካምፓላ ተሰዊሮም ምህላዎም መንግስቲ ኡጋንዳ ኣረጋጊጹ። ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንምስታፍ ብ24 ሕዳር 2012 ናብ ኡጋንዳ ዘምርሐት ተጻወቲ፣ ኣሰልጣኒ ተሓጋጋዚ፣ ሓኪም ጋንታን ኣወሃሃድትን ዝርከብዎም 22 ኣባላት ዝሓቝፈት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ግጥማት ሴካፋ ገና ከይተዛዘመ 18 ኣባላታ ምስዋሮም ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ሬድዮ ኤረና ቀሪቡ’ዩ።

Read more...

መ.ንግስቲ ኤርትራ ብምስጢር ምስ መ. እስራኤል ዝርርብ ይቕጽል

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ብዝምልከት ብምስጢር ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ምህላዉ ተፈሊጡ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.