c


ዜና ኤርትራ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብሉጽ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኽዕወት፣ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣብ መርበብ ሓበሬታ africantopsports.com ድጽኹም ክትህቡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

Radio Erena: December 30, 2013

 

Natiኤርትራዊ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ንብሉጽ ስፖርትዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2013 ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ 10 ኣፍሪቃውያን ሓደ ኮይኑ ምህላዉ መርበብ ሓበሬታ africantopsports.com ኣፍሊጡ።

ናትናኤል ብርሃነ፣ ምስ ከም በዓል ዲድየር ድሮግባ ካብ ኣይቮሪኮስት፣ ሳሙኤል ኤቶ ካብ ካሜሮን፣ ያያ ቶረ ካብ ኣይቮሪኮስት፣ ብኩዕሶ እግሪ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ጉያ እግርን ቅድም ብሽክለታን ጽቡቕ ስምን ዝናን ምስ ዘለዎም ስፖርታውያን ኣፍሪቃ'ውን ንዝበለጸ ስፖርታዊ ተረቝሑ ዘሎ።

Read more...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: December 26, 2013

 

ፕርዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብዚ ሓድሽ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ዘተኮረ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

Read more...

ኤርትራ ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ምስተን ቀዳሞት ትስራዕ

Radio Erena: December 26, 2013

 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሀ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝርኣየለን ሃገራት ምዃና ንኣህጉራዊ መጽናዕታት ብምጥቓስ ታይላንድ ቢዝነስ ዝተባሃለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ኤርትራ ብ48.4 ሚእታዊት እታ ዝበዝሐ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ርኣየላ ሃገር ኮይና ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ድማ ብ 40.5 ሚእታዊት ሊብያ’ያ።

Read more...

ኢጣልያ ኣብ ላምፔዱሳ ሒዛቶም ዝጸንሐት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ካልኦት ከተማታት ከተግዕዞም ጀሚራ

Radio Erena: December 26, 2013

 

ኢጣልያ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ሒዛቶም ዝጸንሐት ዝበዝሑ ኤርራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ተግዕዞም ምህላዋ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ክወስድ ዝተገደደሉ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ተታሒዞም ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት፣ ሰብኣዊ ክብሪ ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ ከምዘለዋ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምቅልሑ’ዩ።

Read more...

ኣብ ኤርትራ፣ ብኮንትሮባንድ ዝኣተወ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግቢታት ኣብ ጥዕና ከቢድ ሃስያ የምጽእ ኣሎ

Radio Erena: December 25, 2013

 

ኣብ ኤርትራ ምስ ዋሕዲ እኹል መግቢ ብፍላይ ድማ መግቢ ህጻናት ተተሓሒዙ፣ ብሱዳንን የመንን ዝኣቱ ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ ዘሎ ዕሹግ መግብታት፣ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን የምጽእ ምህላዉ ሓያሎ ወገናት ካብ ሃገር ምረቶም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ዱካናትን ኣብ ጎደናታትን ተዘሪጊሑ ንዕዳጋ ወሪዱ ዘሎ ከም ጸባ፣ ብሽኮቲ፣ ዘይቲ ዝኣመሰለ ዕሹግ መግብታት፣ ገሊኡ ግዜኡ ዝወደቐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብቕዓቱን ጥዕንኡ'ውን ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.