c


ዜና ኤርትራ

ኣብ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን የጥቅዕ ኣሎ

Radio Erena: 04 October 2018

Kassala Hospital

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ንሓያሎ ኤርትራውያን ግዳያት ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ እቲ ሕማም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ሓያሎ ካብቶም ግዳያት ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብቲ ዞባ ዘስፋሕፍህ ዘሎ ሕማም "ቺኩንጉንያ" ንምግታእን ንግዳያት ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕን፣ መንግስቲ ሱዳን ተበግሶታት ከምዝወሰደ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ከምቲ ዝድለ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ምምሕዳር ዞባ ከሰላ የመልክት።

Read more...

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ካርቱም ከካይድዎ ዝወጠኑ ኣኼባ ተሰሪዙ

Radio Erena: 04 October 2018

IGAD flags

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ንሮቡዕ 3 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ከካይድዎ ዝወጠኑ ኣኼባ ከምዝተሰረዘ ኣል ሳርቕ ኣል ኣውሳጥ ሓቢሩ።

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናብ ትግብራ ኣብ ዝሰጋገረሉ፣ ጸጥታውን ወትሃደራውን ኩነታት እታ ሃገር ንምክትታል ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምትኳር ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት ኣይተገልጸን።

ኣብ ካልእ እዋን ክካይድ ብዛዕባ ምዃኑ'ውን ዝተሓበረ ነገረ የለን።

ኣቐዲሞ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዘይካ'ቲ ዶባቶም ካብ ህላዌ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ናጻ ንምግባሩ ዝኣትዎ ስምምዕ፣ ኣብ ጸጥታዉ ኩነታት ብሓባር ዝነጥፍ ሓባራዊ ሰራዊት ንምቛም'ውን ተረዳዲኦም።

Read more...

ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቕሉ 3 ጥቅምቲ ይዝከር

Radio Erena: 03 October 2018

Lampedusa Tragedy

ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር፣ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቕሉ መበል ሓሙሻይ ዓመት ይዝከር።

ኣብ 3 ጥቅምቲ 2013፣ ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 400 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ድሕሪ ዘጋጠማ ባርዕ ሓዊ፣ ድሕሪ ምጥሓላ፣ ህጻናትን ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 350 ካብኣቶም ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

እቲ ንመላእ ዓለም ዘሕዘነ ትራጄዲ፣ ኢጣልያ እትርከበን ሃገራት ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጃሉ እንከለዋ፣ ዝበዝሑ ግዳያት እቲ ሕእደጋ ዜጋታቱ ዝኾኑ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

Read more...

ሑቲ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ክልተ ደቂ ፕረዚደንት የመን ነበር ብምሕረት ፈቲሑ

Radio Erena: 04 October 2018

Ali Abdela saleh

ብኣመንቲ ሺዓ ዝምራሕ ሑቲ፣ ቀይድዎ ዝጸንሐ ክልተ ደቂ ፕረዚደንት የመን ነበር ብምሕረት ከምዝፈትሐ ኣፍሊጡ።

ሑቲ ንደቂ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝፈትሓሉ ምኽንያት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ንየመን ን32 ዓመታት ዝመርሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ኣንጻሩ ድሕሪ ዝተኻየደ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ምስ ሑቲ ብምዃን ኣንጻር እቶም ብስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፉ ዕጡቓት'ዩ ክቃለስ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ነቲ ምስ ሑቲ ዝኣተዎ ኪዳን ብምርሕራሕ፣ ምስቲ ናይ ኢማራትን ስዑድድድዲን ወገን ድሕሪ ምጽንባሩ፣ ሑቲ ብዘካየደሉ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ይዝከር።

Read more...

ቻይና፣ ንኣስታት 100 ሽሕ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ ማህደረ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ዕድላት ክትህብ'ያ

Radio Erena: 02 October 2018

forum china africaቻይና፣ ንልዕሊ 50 ሽሕ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን፣ ነዚ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ንካልኦት 50 ሽሕ ዝኸውን ናይ ሓጺር ሞያዊ ስልጠናታት ተመዲቡ ከምዘሎ’ውን ኣረጋጊጹ።

ቻይና፣ ብድምር፣ ኣስታት 100 ሽሕ ንዝኾኑ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ማህደረ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ዕድላት ትኸፍት ዘላ፣ ኣብዛ ኣህጉር፣ ኣብ ዕደና፣ ህንጻን ንግድን ዘተኮረ ናይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ወፍሪታት ኣብ እተካይደሉ ዘላ ወቕቲ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.