c


ዜና ኤርትራ

Article:- ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ ኣባይቲ ኣብ ኣስመራ፣ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዶ ወይስ ካዝና ህግደፍ ንምድንፋዕ?

ኣብ ኣስመራ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ቅድሚ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ዝተኻየደ ኵናት ብሰምበል ኮምፕሌክስ ሃውሲንግ ዝፍለጥ ብናይ ኮርያ ኩባንያ ኪንግናም ዝተሳለጥ ፕሮጀክት ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

Read more...

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ምግምማዕ ንገስጋስ ዴሞክራስያዊ ለውጢ የናውሖ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ዝተፈላለየ ውድባትን ደምበታትን በብእዋኑ ዝርአ ምግምማዕን ምፍንጫላትን፣ ንሓድነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ደሞክርስያዊ ለውጢ ክህሉ ዝምነዩን ዝጽዕሩን ኤርትራውያን የማህምኖ ከምዘሎ ዝገለጹ ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጸ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ብፍላይ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ካብቶም ብ ግዳም ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ዝነበሮ ተስፋ እናተዳኸመ ከምዝመጸ'ዩ ኣረዲኡ።

Read more...

ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ኣስመራ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘይኮነ ካዝና መንግስቲ ንምድንፋዕ ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት መንበርን ናይ ትካላት ኣባይትን ብምህናጽ ክሸጠሎም መዲቡ ከምዘሎ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

Read more...

“ኣብ ፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ቕዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ከንብብ ኣይተገደድኩን” ሓላፊ ኤሪ ቲቪ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ

ኣብ 21 ጥሪ ለውጢ ዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ንሚኒስትሪ ዜና ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፣ ሓላፊ ክፍሊ ቴሌቪዥን ኣስመላሽ ኣብርሃ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ክትግበርን ዝጠልብ ጻውዒት እቶም ሰራዊት ከተንብብ ተገዲድካ ንዝብል ብAFP ዝቐረበሉ ሕቶ ሓሶት’ዩ ክብል ከምዝመመለሰ ግሎባል ፖስት ሓቢሩ።

Read more...

መጓዓዝያ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን እናበኣሰ መጺኡ

ካብ ኣስመራ ናብ ካልኦት ከተማታት ዝገይሽ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መጓዓዝያ ሪጋ ንምሓዝ ኣብ ፈቐዶ እንዳውቶቡሳት ይሓድር ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.