c


ዜና ኤርትራ

ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ፣ ሕጹያት ስልማት ኖቤል ምዃኖም ከም መዘናግዒ ክቀርብ ቀንዩ

Radio Erena: 08 October 2018

Issaias for Nobel

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ፣ ንናይ ሰላም ስልማት ኖቤል 2018 ምርቆሖም፣ ብሓያሎ ወገናት ከም መዘናግዒ ክቐርብ ቀንዩ።

እቶም ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርዊ ንስልማት ኖቤል፣ ብምርቁሖም ከም መዘናግዒ ክቐርቡ ዝቐነዩ ክልተ መራሒ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን'ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ነዚ ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብምዃን'ዩ ተረቑሑ ኔሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብምራኽቡ'ዩ ክልቲኦም መራሕቲ ነዚ ብደረጃ ዓለምዝወሃብ ዝዓበየ ናይ ሰላም ክብሪ ዝተረቁሑ።

Read more...

ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ንሂሩ

Radio Erena: 08 October 2018

Sudanese Pound

ኣጋጢምዎ ንዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበ ባጤራን መፍትሒ ስኢንሉ ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ንመጠን ሽርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ኣዛይድዎ።

ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ኣውጺእዎ ብዘሎ መግለጺ መሰረት፣ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ 29 ፓውንድ ሱዳን ዝሽረፍ ዝነበረ ናብ 47.5 ፓውንድ ሱዳን ክብ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ባንክ፣ ንመጠን ሸርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ክብ ዘበለሉ ምኽንያት፣ ነቲ ብጸላም ዕዳጋ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሸርፍን ሓዋላን መስርሕ ንምቁጽጻር ምዃኑ እንተተገልጸ፣ እቲ ናይ ወሰኽ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጽኡ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ 48 ክትሽረፍ ጀሚራ ኣላ።

Read more...

ብሃገራዊ ቴሌቪዥን መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ጡፍ ዝበለ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ይንቀፍ

Radio Erena: 03 October 2018

President Museveni

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብምትኳር መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ጡፍ ብምባሉ፣ ኣብታ ሃገር መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ2 ጥቅምቲ፣ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ ዝመሓላለፍ መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ ንኣስታት 20 ሰኮንድ ዝኸውን፣ ብመሐበሲ ኣፍንጭኡ ድሕሪ ምጽራግ፣ ካልእ መሐበሲ ብምስሓብ፣ ከይተኸወለ'ዩ ጡፍ ኢሉ።

ካብ 1989 ኣትሒዙ፣ ንኣስታት30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ንህዝቢ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ኣመንጉዩ፣ ከይተኸወለ ጡፍ ምባሉን ይቕሬታ ብዘይምሕታቱን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኡጋንዳ ዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ'ዩ እናተባህለ ይንቀፍ ኣሎ።

Read more...

'ኤርትራ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ እምበር፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ወላሓንቲ ለውጢ የለን' HRW

Radio Erena: 07 October 2018

esurat ertraመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ምምሕያሻት የርእይ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ዘቤታዊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ግና ወላሓንቲ ለውጢ ከምዘይገበረ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት ብዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፈትሕ፣ ኣብታ ሃገር ዕርቂ ከውርድ ትጽቢት ሓያሎ ወገናት’ኳ እንተነበረ፣ እቲ መንግስቲ ብኣንጻሩ ዜጋታቱ ኣብ ምቕያድ ተጸሚዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Read more...

ሱዳን፣ ክልተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ብምግጫወን ሸሞንተ ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 03 October 2018

Antonov Sudan

ስርሓት ሩስያ ዝኾና ኣንቶኖቭ ዝዓይነተን ክልተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ሱዳን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብምግጫወን ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ቆሲሎም።

እተን ናይ ሰብን ንብረትን ኣብ ምምልላስ ዝነጥፋ ወትሃደራውያን ነፈርቲ፣ ብሮቡዕ 3 ጥቅምቲ፣ ንበረራ ኣብ ዝዳለዋሉ ጽርግያ እናተጓዓዛ እንከለዋ'የን ተጋጭየን።

ጠንቂ እቲ ግጭት፣ ኣብ ናይ ኣየር ትራፊክ መቆጻጸሪ ብዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጌጋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ምጽራይ ይካየደሉ ከምዘሎ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ኸሊፋ ሻሚ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ፣ ሓደጋ ወትሃደራውያን ነፍርቲ ከጋጥም እዚ ንሳልሳይ እዋኑ ምዃኑ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቕስ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.