c


ዜና ኤርትራ

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 28 November 2018

EU Asmara

ብሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ግዳማዊ ኣገልግሎታት ሕብረት ኤውሮጳ ኮአን ቨርቫኤክ ዝምራሕ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ።

እቲ ልኡኽ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ብ27 ሕዳር ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ምቕርራብን ኣብ ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋን ተዘራሪቡ።

ንመግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሐገዝ ኣብ ምብርካት ዝርከብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን ለውጥታት እንተተራእዩ፣ ካብ ኤርትራ ዝውሕዝ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛ ክጎድል ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለዎ።

ይኹን'ምበር፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ጸገም ከምዝተኣልየ ዝግለጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ጽገናዊ ለውጥታት ንምክያድ ዛጊት ተበግሶ ኣይወሰደን።

Read more...

እስራኤል፣ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ይህደን

Radio Erena: 27 November 2018

12 Years old Eritrean girl killed

ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ቴልኣቪቭ፣ ስልቫና ጸጋይ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ሞይታ ከምዝተረኽበት ንፖሊስ ብምጥቃስ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ሓቢሩ።

እታ ብሰኑይ 26 ሕዳር ሞይታ ዝረኽበት ቆልዓ፣ ኣብ ኣካላታ ዓመጽን ከቢድ ማህሰይትን ከምዝወረዳ ዝገለጸ ፖሊስ፣ ቀታሊኣ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገመተ፣ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ዝተባህለ ሰብኣይ ኣዲኣ ይሃድኖ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካንቶና ሶሎተርን፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ፣ ብሰኑይ 26 ሕዳር ብዘጋጠመ ባርዕ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ንጸብጻብ ፖሊስ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

Read more...

እስራኤል፣ ብኤርትራውያን መማህራንን ወለዲን እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፣ ኣቡጊዳ ተማሃሮኣ ተመርቕ

Radio Erena: 26 November 2018

Abugida

ኣብ እስራኤል እትርከብ፣ ብኤርትራውያን መማህራንን ወለድን እትእለ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ፣ ን10 ኣዋርሕ ከተምህሮም ዝጸንሐት ተማሃሮኣ ብ24 ሕዳር ኣመሪቓ።

ኣብዚ ዝተዛዘመ ናይ 2017/2018 ስሩዕ ናይ ትምርቲ መደባት ኣቡጊዳ፣ ካብ ዝተመዝገቡ 150 ተማሃሮ፣ እቶም 110 ትምህርቶም ብግቡእ ብምክትታል ናብ ዝቕጽል ክሰግሩ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ 40 ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ትምህርቶም ከምዘቛረጹ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ተማሃሮ ትምህርቶም ዝዛዘምሉ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፣ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ዝተሓቑፉ ተማሃሮ፣ ርኡይ ለውጥታት ከምዘመዝገቡ ምስክርነቶም ዝሃቡ ወለዲ፣ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ዕውታት ይኾኑ ምህላዎም ጠቒሶም።

Read more...

ኤርትራ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብጸብለልታ ተዓዊታ

Radio Erena: 27 November 2018

eri cyclingካብ 21 ክሳብ 25 ሕዳር፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2018፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣንጸባራቒ ዓወታት ተጎናጺፎም።

ኤርትራ ድማ ብ10 ወርቂ፣ 6 ብሩርን 5 ነሓስን፣ ሻምብዮን ናይዚ ቅድድም ኮይና።

ኣብዚ ተቐዳደምቲ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ናይጀርያ፣ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተሳተፍዎ ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ስሙያት ተቐዳደምትን ብዝሒ ሃገራትን ኣይተረኽቡን።

ይኹን'ምበር፣ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ ኤርትራ ንፈለማ እዋኑ ዝተኻየደ ብምዃኑ፣ ኣብ ምስሊ ኤርትራ ኣወታዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

Read more...

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዳን

Radio Erena: 26 November 2018

Egyptian General

ብሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል መሓመድ ዛኪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትህደራዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ የካይድ።

እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ ብቀዳም 24 ሕዳር ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ላዕለዋት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ብምርኻብ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድን ስልጠናን ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ንሳቶም፣ ኣብ ርክቦም፣ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ዞባኦምን ኣፍሪቃን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታ'ውን ብሓባር ከስርሖም ኣብ ዝኽእል ጉዳያት ከምዝተመያየጡ መርበባት ሓበሬታ ግብጺ ኣገንዚበን።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.