c


ዜና ኤርትራ

ሕቡራት ኢማራትን፣ ኩባንያታት ኢጣልያ፣ ሩስያን ቸክ ሪፖብሊክን፣ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ብምጥሓስ፣ ንኤርትራ ወትሃደራዊ ንዋት ይሸጣን ስልጠናታት ይህባን ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: 14 November 2017

UNSC Eritrea

ኩባንያታት ሓያሎ ሃገራት፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንዘንበሮ እገዳ ብምጥሓስ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ይሸጣን ስልጠናታት ይህባን ምህላወን ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ንኩነታት ኤርትራን ሶማልን ከጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ፣ ብ8 ሕዳር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሩስያ፣ ቸክ ሪፖብሊክን ኢጣልያን ኣብዚ ምስ ዚ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ጠቒሱወን ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ካብ 2012 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 13 ኤርትራውያን ኣብ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ንምስልጣን ከምዝተቐበለት ንቃል ምስክርነት ናይቶም ካብቲ ስልጠና ብምህዳም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ሓሙሽተ ሰባት ብምጥቃስ፣ እቲ ጉጅለ ኣቃሊዑ።

Read more...

ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 14 November 2017

National team

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ 12 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ዙር ሩዋንዳ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብዚ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎን ኣብ ሸውዓተ መድረኻት፣ 821 ኪሎ ሜተርን ዝሽፍን ናይ ሓደ ሰሙን ቅድድም፣ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሞን እትእለ ሃገራዊ ቅድድም ብሽክለታ ንተስፎም ዑቕባማርያም፡ ሳይሞን ሙሴ፡ ኣሮን ደብረጽዮን፡ ኣማኑኤል ጸጋይን ናትናኤል መብራህቱን ሓቚፋ'ያ ትወዳደር ዘላ።

ብዘይካ'ዚ መትከል ኢዮብ ዝተባህለ ካልእ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ'ውን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን ኣብ ዙር ሩዋንዳ ተጸሚዱ ይርከብ።

ትማሊ ሰኑይ 13 ሕዳር፣ ኣብ ዝተሰላሰለ 120.3 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝሸፈነ ቀዳማይ መድረኽ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሓሙሻይ ንዘሎ ደረጃታት ክብሕቱ እንከለዉ፣ ዝርዝሩ ምስ እንርኢ፣-

Read more...

"ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ'ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ፣" ጸሓፊ ህግደፍ

Radio Erena: 13 November 2017

Alamin

ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ኣብ ሒደት ደቓይቕ'ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ ክብል ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ምግላጹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

ኣቶ ኣልኣሚን፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኣብ ናይ መዛዘሚ መደብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ተማሃሮ ተቓውሞ ብድፍኢት ካልኦት ሰባት ከምዝተበገሰ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኣብ ቁጽጽር ንኸእትዎ ደቓይቕ ከምዘይወሰደሉ'ዩ ጠቒሱ።

ኤርትራ፣ ካብ ሃይማኖት ናጻ ዝኾነ ስርዓተ መንግስቲ'ያ እትኽተል ዝበለ ጸሓፊ ህግደፍ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ናይ ሃይማኖት ምልክታት ምልባስ ክልኩል ምዃኑ ገሊጹ።

Read more...

ፖሊስ ኬንያ፣ "ብዘይሕጋዊ ምስግጋር" ዝተጠርጠረ'ዩ ንዝበሎ ኤርትራዊ ከምዝቐየደ ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 November 2017

Gebremeskel

ፖሊስ ኬንያ፣ "ብዘይሕጋዊ ምስግጋር" ዝተጠርጠረ'ዩ ንዝበሎ ኤርትራዊ ከምዝቐየደ ማዕከን ዜና ዘ ስታር ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኬንያ ብዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ገብረመስቀል ካሕሳይ ባህታ ከምዝብሃልን ኤርትራዊ ምዃኑን ዝገለጾ ጥርጡር ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ዩ ናብ ኬንያ ኣትዩ።

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሒዙ፣ ካብ ኬንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ከኣ ብ5 ሕዳር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ተታሒዙ።

ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብ መዝገብ ተደለይቲ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ፖሊስ ኬንያ፣ ነቲ ጥርጡር ኣብ ማእሰርቲ ክምርምሮ ብቤት ፍርዲ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ግዜ ከምዝተዋህቦ ኣምልኪቱ።

Read more...

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰለ ምስ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ ዞባ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 13 November 2017

Adam Jama'a Adam

ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰለ ኣደም ጃማ ኣደም ምስ ነበርቲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

እቲ ኣማሓዳሪ ኣብቲ ብሓሙስ 9 ሕዳር ምስ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮም ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ዝምድናታት እቲ ማሕበረ ኮምን ሱዳናውያን ደቀባት እቲ ዞባን ዘሎ ዝምድና ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላው ኣገንዚቡ።

ዝምድና ሱዳንን ኤርትራውያን'ውን ጽቡቕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ዞባ ከሰላ ኣብ ንጥፈታት እቲ ዞባ ንዝግበርዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ኣበርክቶታት ኣመስጊኑ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.