c


ዜና ኤርትራ

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ትግባረ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ዘትየን

Radio Erena: 16 May 2018

Bashir Tamim

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ትግባረ ናይቲ ድሮ ክህነጽ ጀሚሩ ዘሎ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ከምዝዘተያ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ሱዳን ማካዊ መሓመድ ዓዋድ ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ ጃሲም ሳይፍ፣ ኣሕመድ ኣል ሱልጣን፣ ብ14 ግንቦት ኣብ ኣዶሓ ኣብ ዝተራኸብሉ'ዮም ብዛዕባ'ቲ ደረጃ ብደረጃ ክትግበር ተወጢኑ ዘሎ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ተዘራሪቦም።

ቀጠር ነዚ ንስዋኪን ናይ ሱዳን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደን ንምግባሩ 4 ቢልዮን ዶላር'ያ ሰሊዓ ዘላ።

Read more...

ጅቡቲ፣ ሰራዊት ቻይና ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይድ

Radio Erena: 16 May 2018

China army in Djibouti

ኣብ ጅቡቲ ዓድኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ቻይና ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

እቲ ብ12 ግንቦት ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ 40 ዲግሪ ሰንትግሬድ ኣብ ዝበጽሕ ሙቐትን ኣጻእምንእ ክካየድ ንዝኽእል ናይ ምትኳስ ዓቕምን ውሁድ መጥቃዕትን ዘተኮረ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ቻይና ንወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ብምጥቃስ ገሊጸን።

ዕላማ እቲ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ህጹጽ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ እተን ማዕከናይት ዜና ኣመልኪተን።

Read more...

የመን፣ ናይ ቱርኪ መርከብ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ

Radio Erena: 14 May 2018

Turkish ship

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሑቲ ናብ ዝቖጻጸሮ ወደብ ናይ የመን እተቕንዕ ዝነበረት ናይ ቱርኪ መርከብ፣ መጥቃዕቲ ከምዝወረዳ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እታ ካብ ወደብ ሖዴዳ ንሰሜን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ወደብ ሳሊፍ መልህቓ ንምውራድ እትዳሎ ዝነበረት መርከብ፣ ካብ ሩስያ ናብ ህዝቢ የመን ዝተላእከ 50 ሽሕ ቶን ስርናይ ጽዒና ምንባሩ'ዩ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ካብ ዘይተፈልጡ ወገናት ዝተተኮሰላ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል ሓይልታት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ይገልጹ።

ይኹን'ምበር ጠንቂ'ቲ ኣብታ መርከብ ዝወረደ ዕንወት፣ካብ ውሽጣ ብዝተፈጥረ ነትጕ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ካልኦት ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

Read more...

ቀጠር፣ ብዛዕባ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ መብርሂ ክህብ ንኣምባሳደር ኤርትራ ሓቲታ

 Radio Erena: 14 May 2018

Ambassador of Eritrea in Qatar

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም መሓመድ፣ ምስ ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ቀጠር ቢን ዓብዱላ ዛይድ ኣልማሕሙድ ተራኺቡ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዝምድና ክልትኤን ሃገራትን ካልእ ጉዳያትን ብዝምልከት ተዘራሪቡ።

ብመሰረት እቲ ድሒሩ ዝበጽሓና ዜና፣ ቤት ምኽሪ ኣፈኛ ቀጠር ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቀጠር ብ18 ሚያዝያ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ብዛዕባ'ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝሃቦ መግለጺ መብርሂ ክህበሉ ከምዝሓተተ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቀጠር ምስ ሱዳን ብምትሕብባር፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ እናሰልጠነት ኣንጻር ኤርትራ ትሰርሕ ከምዘላን'ዩ ዝወቕስ።

Read more...

ሱዳን፣ ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛ ተቐቲሉ

Radio Erena: 14 May 2018

Nigeria Diplomat killed in the Sudan

ኣብ ሱዳን፣ ናይጀራዊ ዲፕሎማሰኛት ከምዝተቐትለ መንግስታት ሱዳንን ናይጀርያን ኣረጋጊጾም።

እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ናይጀርያ ኣብ ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ዝተመደበ ወይ ኢምግሬሽን ኣታሸ ዝነበረ ዲፕሎማሰኛ፣ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ቅትለት እቲ ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛት ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ ፖለቲካዊ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ'ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝጠቕስ።

ይኹን'ምበር ጠንቂ'ቲ ገበናዊ'ዩ ዝብሃል ዘሎ ቅትለት ናይጀርያዊ ዲፕሎማሰኛ ዝኾነ ኣንፈት ከምዘይተረኽቦ ፖሊስ ሱዳን ኣመልኪቱ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.