c


ዜና ኤርትራ

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ ንግዳዊ ምልልስ ዝካየደሉ ኣርባዕተ ነቑጣታት ክኽፈት'ዩ

Radio Erena: 16 January 2019

Zalambessa

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ ንግዳዊ ምልልስ ዝካየደሉ ኣርባዕተ ነቑጣታት ክኽፈት ምዃኑ ኮርፐረሽን ፈወነ ኢትዮጵያ ንኮሚሽን ግምሩኽ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ፍኑው ንግዳዊ ልውውጥን ምንቅስቓስ ሰባትን ሕጋዊ መልክዕ ከትሕዝ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስርሓሉ ዘሎ፣ መቑጻጸሪ ነቑጣታት ናይ ምኽፋት መደብ ብወገን ኤርትራ'ውን ተመሳሳሊ መስርሕ ክካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር ዝተኸስተ ወጥሪ ናብ ጅቡቲ ከይልሕም ተሰጊኡ

Radio Erena: 16 January 2019

Afar Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ዝተኸስተ ወጥሪ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ከምዘይሃድአ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ክልል ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ናብ ክልል ትግራይን ማእከል ኢትዮጵያን ዝወስድ መንገዲ፣ ንክልተ መዓልታት ተዓጊቱ ከምዝጸንሐ 'ዩ ዝሕበር።

ብፍላይ እቲ ምስ ወደብ ጅቡቱ ዘራኽብ መስመር ምዕጻዉ፣ ጽዕነት ዘመላልሳ ዓበይቲ መካይን ከይሓልፈ ተኸልኪለን'የን ጸኒሐን።

ጠንቂ'ቲ ምዕጋት መንገድታት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ብሄራትን ዓፈርን ዒሳን ዝተጋጨውሉ ከባቢታት ድሕሪ ምውፋሩ ከምዝተላዕለ'ዩ ዝግለጽ።

Read more...

የመን፣ እሱራት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 January 2019

UAE ship

ካብ የመን ዝተበግሱ፣ ቁጽሮም ብልዕሊ ዘይተነጸረ እሱራት ዝጸዓነት መርከብ፣ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝኣተወት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም እሱራት፣ የመናውያን ይኹን ኣብ የመን ተኣስሮም ካብ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

እታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ወደብ ዓሰብ ዝኣተወት መርከብ፣ ካብ ወደብ ሖዴይዳ፣ ናይ የመን ዝተበገሰት ክትከውን ከምእትኽእል ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ምምልላስ ሎጂስቲክ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ንብረት ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ምዃና ኣገንዚቦም።

ዝርዝር ሓበሬታ ናይዞም ካብ የመን ናብ ኤርትራ ተሰጋጊሮም ዘለዎ እሱራት ኣብ ዝበጽሓና ከነቓልሖ ኢና።

Read more...

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ናብ ካይሮ ክኣቱ'ዩ

Radio Erena: 16 January 2019

Kir in Egypt

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ መንጎ ሃገሩን ግብጽን ብዛዕባ ዝጸንሑ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ንምምይያጥ ሎሚ ሮቡዕ 16 ጥሪ ናብ ካይሮ ክኣቱ'ዩ።

እቶም መርሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ'ቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት በሽር፣ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ'ውን ክዝት'ዩ ዮም።

ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ዝህልዎ ሳዕቤንን ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ምርድዳእ ክትበጽሕ ዘይክኣለት ግብጺ፣ ኣብ ማይ ክዖ ናይል ዝርከባ ሃገራት ንዝኸተሞ ስምምዕ ኤንተበ ንምቕያሩ፣ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

Read more...

ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 14 January 2019

Mousa Faki

ብኮሚሽነር ሙሳ ፋኪ መሃመት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀጠር ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ትማሊ 13 ጥሪ ናብ ቀጠር ዝኣተወ እቲ ኮሚሽነር፣ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ክዘራረብ'ዩ።

ዕላማ ዑደት ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ቀጠር ብዝርዝር እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ እታ ሃገር፣ ኣብ ሊብያ፣ ሱዳን (ብፋላይ ዞባ ዳርፉር) ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝጸንሓ ጉዳያት ብዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.