c


4 ኤርትራውያን ብኣባላት ጸ.እስራኤል ተታሒዞም

ኣብቲ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ዘእቱ ጎዳጉዲ፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብኣባላት ጸጥታ እስራኤል ከምእተታሕዙ ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት ዝተባህለ ትካል ኣመልኪቱ።
እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ጎዳጉዲ ንሓያሎ መዓልታት ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ኣብ መወዳእታ ናብ እስራኤል ኣብ ዝኣተውሉ’ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እስራኤል ነቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዝሓዘቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ከምይትመልሶም’ውን እቲ ትካል ይጣበቕ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ እስራኤል ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ዝቕየድሉ ሓዴራ ዝተባህለ ቦታ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኤርራውያንን ሱዳናውያንን ከምዝሃደሙ ፖሊስ እስራኤል ኣፍሊጡ።
ክልተ ካብቶም ዝሃደሙ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ብኡ ንብኡ ክተሓዙ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ግን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክርከቡ ኣይከኣሉን።
እቶም  ኣብ ክሊ ዕድመ 14ን 18ን ዓመት ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ፣ ማዕጾ ናይቲ ተቐይዶምሉ ዝነበርሉ ክፍሊ ብምስባር’ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝሃደሙ ዝተሓበረ።

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.