c


ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትርን ኢትዮጵያን ዳግም ተዓጽዩ

Radio Erena: 26 December 2018

Zalambesa

ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ከምዝተዓጽወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ መስመረ ዛላምበሳ፣ ፍሉይ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ከይነሳቐሱ ካብ 25 ታሕሳስ ኣትሒዙ ብወገን ኤርትራ መምርሒ ተዋሂቡ።

ብወገን ኢትዮጵያ'ውን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ክንቀሳቐሱ ከምዘይክእሉ'ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።

ጠንቂ ምዕጻው እዚ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ንኹሉ ክፉት ኮይይ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ፍኑው ናይ ኮንትሮባንዳ ንግድን ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስክፍታን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይግመት።

 

========================== 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.