c


ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ወረቀት ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግፈፉ

Radio Erena: 11 October 2018

 sudan gifaኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዝንቐሳቐሱ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዒላማ ዝገበረ ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ኣሎ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ካብቲ ቅድሚ እዚ እዋን'ዚ ዝተኻየደ ግፋታት ዝፍለ ከምዘይኮነ ኣስሚሮም።

ነቲ ግፋ ዘካይዱ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን፣ ግቦ ክኸፍልዎም ንዝኽእሉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍንውዎም ምህላዎም'ውን ጠቒሶም።

ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ እዋን ነናብ ዓዶም ከምዝሰጎጎት ይፍለጥ።

 

====================

 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.