c


ቻይና፣ ንኩባንያ ኔቭሰን ብ1.4 ቢልዮን ዶላር ወኒናቶ

Radio Erena: 26 September 2018

Zijin Nevsun

ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ኩባንያ ዕደና ዚጂንግ፣ ንኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ1.4 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓደገቶ ፋይናንሻል ታይምስ ኣፍሊጡ።

ቻይና፣ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሰርብያን ኣብ ዕደና ውርቂን ነሓስን ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ከምዝዓደገቶ'ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ናይ ሽወደን ኩባንያ ሉንዲን፣ ንኩባንያ ኔቭሰን ንምዕዳግ ዘቕረቦ መጠን ገንዘብ ብኔቭሰን ከምዝተነጽገ ይዝከር።

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ወርቂ፣ ብሃገራዊ ኣገልግልት ተመዲቦም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን፣ ብናጻ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ ኣብ ካናዳ፣ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=======================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.