c


ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምውህሃድ ተቓወምቲ ኤርትራ ክነጥፍ ዝጸንሐ ጀነራል ናብ ኣስመራ በጺሑ

Radio Erena: 30 July 2018

Eritrean opposition in Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ምውህሃድ ክነጥፍ ዝጸንሐ ጀነራል መስፍን ኣማረ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ጀነራል፣ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያን ብምዃን ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ እኳ እንተተገልጸ፣ ዕላማ ዑደቱን ኣብ ኤርትራ ምስ ዝተራኸቦም ሰበ ስልጣንን ኣይተነጸረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተቓወምቲ፣ ብሰንኪ እዚ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ተቓወምቲን መጻኢ ዕድላቶም ኣብታ ሃገርን ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

 

ይኹን'ምበር ንጥፈታቶም ከደስክሉ ተሓቢርዎም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይእንፍቱ።

==================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.