c


ምብራቕ ሱዳን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ፕረዚደንት በሺር እማመ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 12 July 2018

beshir2ፕረዚደንት ኣል በሺር፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ንባይቶን ኣመሓደርትን እማመ ኣቕሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ እማመ ዘቕረበ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ካብ ኤርትራ ወትሃደራውን ቁጠባውን ተጻብኦታት የስጋኒ'ዩ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ከምዝዓጸወን ሰራዊት ከምዘዋፈረሉን ይዝከር።

ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዘሎ ብዝሒ ሰራዊት ኣብ ነዳድን ካልእ ቁጠባዊ መነባብሮን እቲ ህዝቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለዘለዎ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክልዓለ'ዩ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ክሓትት ጸኒሑ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ብ28 ሰነ ከምዝተዘራረበ ሱዳን ትሪቡን ኣቐዲሙ ገሊጹ'ዩ።

===================== 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.