c


ህብብቲ ኤርትራዊት ድምጻዊት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኤን ዓሪፈን

Radio Erena: 28 May 2018

tsehaytu beraki

ህብብቲ ኤርትራዊት ድምጻዊት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኤን፣ ብ24 ግንቦት ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዓሪፈን።

ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበራ ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ብክራር ምልሃይ ከምዝጀመራ ዘዘንተዉ ፈለጥተን፣ ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ስነጥበብ ኤርትራ ዝተጻወትኦ ኣበርክቶ ኣብ ታሪኽ ነባሪ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣዴና ጸሃይቱ በራኺ ብንጽልን ኣልቡምን ዘፍረይኦ ዓሰርተታት ደርፍታት፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ እናተሰጋገረ፣ ሓወልቲ ዝኽረን ክኽውን'ዩ።

ሬድዮ ኤረና ንስድራቤት ኣዴና ጸሃይቱ በራኺን ኩሎም ፈተውተንን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

====================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.