c


ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ከካይዶ ዝወጠነ ሰሚናር ተሰሪዙ

Radio Erena: 04 March 2018

Embassy London

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሎሚ ሰንበት 4 መጋቢት፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ከተማ ለንደን፣ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ከካይዶ ዝወጠነ ሰሚናር ተሰሪዙ።

እቲ ብኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፣ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት፣ ዴምክራስዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ብምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝተሰረዘ'ዩ ተሓቢሩ።

ኤምባሲ ኤርትራ፣ እቲ ኣኼባ ናብ ካልእ ከምዝተሰጋገረ እንተዘይኮይኑ፣ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት ኣይሓበረን።

እንተኾነ እቲ ኤምባሲ ብተብተብ ናይ ሆቴል ኣዳራሽ ብምክራይ ነቲ ሰሚናር ከካይዶ ከምዝኸኣለ ምንጭታት ካብ ለንደን የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሆላንድ ክካየድ ዝተወጠነ ፌስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ድሕሪ ምስራዙ፣ ብሕቡእ ኣብ ካልእ ኣዳርሽ ከምዝተኻየደ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ ኤምባሲታት መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም ምእካብ 2% ግብሪ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጽማ ኣለዋ ዝብል ተደጋጋሚ ክስን ጥርዓንን ይቐርበለን ብምህላዉ፣ ኣብ ምክትታልን ጸቕጥን ከምዝርከባ'ዩ ዝንገር።

======================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.