c


ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት፣ 40 ሚልዮን ዝተተምየነ ሪያል ስዑዲ ንምስግጋር ኣብ ዝፈተንሉ ከምዝተታሕዙ ፖሊስ ሪያድ ሓቢሩ

Radio Erena: 06 February 2018

eritrean saudi

ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት፣ 40 ሚልዮን ዝተተምየነ ሪያል ስዑዲ ንምስግጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝተታሕዙ ንፖሊስ ሪያድ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣል ዓረብያ ሓቢራ።

ፖሊስ ሪያድ፣ ሓደ ካብቶም ተታሒዞም ዘለዉ ሓሙሽተ ሰባት ኤርትራዊ ምዃኑ ደኣ'ምበር ምሉእ መንነቱ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣይዘርግሐን።

እቲ ሓደ የመናዊ ክኸውን እንከሎ እቶም ሰለስተ ድማ ስዑዳውያን'ዮም።

ነቲ 40 ሚልዮን ሪያል ስዑዲ ዝበጽሕ ናይ ሓሶት ገንዘብ፣ ከም ናይ ኣሰራርሓ ባንክ በብ12 ሽሕ ከፋፊሎም ኣብ ጎማታት ብምጥራዝ፣ ኣብ ሳናዱቕ ዓሺጎሞ እንከለዉ'ዮም ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቪላ ተታሒዞም።

ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ስርሒት ድሕሪ ምፍሻሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝተተምየነ ገንዘብ ናብ ዶላር ንምቕያሩ ውጥን ምንባሩ ኣመልኪቱ።

=========================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.