c


"ሕ/ ኢማራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ የመን ዕልዋ ኣካይዳ" ፕረዚደንት ሓዲ

Radio Erena: 31 January 2018

Hadi

ኣብ የመን፣ ከተማ ዓደን ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተኻያደ ሓድሕዳዊ ግጭት ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝተጎሃሃረ ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ወቒሱ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንግስቲ የመን ዕልዋ ከምዘካየደት ብምኽሳስ፣ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ትፍጽሞ ዘላ በደላት ካብቲ ሑቲ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝፈጸሞ ገበናት ከምዘይፍለ ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ቢን ዳጋር ብወገኑ ተመሳሳሊ መግለጺ ብምሃብ፣ ብሰንኪ እቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ የመን ዝፈተነቶ ዕልዋ ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንገለ ክፋል እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲኣ ብምቑጽጻር ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ዝተማእከለ ኣካል ሰራዊት ኵናት ክኸፍት ከምዘገደደቶ'ዩ ዝንገር ዘሎ።

እታ ሃገር ንገለ ክፋል እቲ ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ከባቢ ዓሰብ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝሃበቶ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ'ዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን እትፍጽሞ ዘላ ዕንወትን ህልቂት ህዝብን ካብ ገማግም ባሕሪን መዓርፎ ነፈርትን ዓሰብ እናተበገሰት ምዃና ይፍለጥ።

ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ተሰሊፋ ንመንግስቲ የመን ክትድግፍ ዝጸንሐት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዚ ዓይነት ኣንጻራዊ ስጉምቲ ዝወሰደትሉ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ስዑዲ ዓረብ'ውን ብዛዕባ'ዚ መግለጺታት ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን የመን ይኹን ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ የመን ዝተኻየደ ሓድሕዳዊ ግጭት መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት መንግስቲ የመን ሓድሕዳዊ ግጭት ድሕሪ ምክያዱ፣ ካብቲ ሰራዊት ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት፣ ንቤተ መንግስቲ ዓደን ከምዝተቖጻጸሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ሓይሊ ባሕርታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ።

እዚ ብ20 ጥሪ ዝጀመረ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክዛዘም ትጽቢት ኣሎ።

========================

 

 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.