c


ሱዳን፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ንዝኸተምኦ ምምልካት ክሊ ማይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅዋም ናብ ሕ/ሃ ጥርዓን ኣቕሪባ

Radio Erena: 01 January 2018

Sudan Egypt border

መንግስቲ ሱዳን፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዝኸተምኦ ምምልካት ክሊ ማይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅዋም ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንክሊ ማያት ሱዳን ዝጥሕስ ብምዃኑ'ያ ሱዳን ነቲ ጥርዓን ኣቕሪባ ዘላ።

ግብጺ ኣቐዲማ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ዓረብ ከተረክባ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

ሱዳን ብጉዳይ ዞባ ሓላይብ ምስ ግብጺ ብዶብን ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪን ትሰሓሓብ ከምዘላ ይፍለጥ።

 ======================

 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.