c


ንገዛእ ውላዳ ዝቐተለት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ጀርመን ንሰለስተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ

Radio Erena: 09 October 2017

German court

ንገዛእ ውላዳ ዝቐተለት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ጀርመን፣ ብ5 ጥቅምቲ ንሰለስተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።

እታ ሮዚና ዝተባህለ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ፣ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣብ ገዛ ዝተገላገለቶ ዕሸል፣ ብኡ ንብኡ ኣብ ከባቢ መንበሪኣ ናብ ዝርከብ እንዳጓሓፍ ከምዝደርበየቶ ጸብጻብ ቤት ፍርዲ ካብታ ሃገር ዘመልክት።

እቲ ዕሸል፣ ኣብ እንዳጓሓፍ ተደርብዩ ኣብ 15 ጥቅምቲ'ዩ ብሰራሕተኛታት ጽሬት ከተማ ሞይቱ ተረኺቡ።

ኣብ ጥቅምቲ 13 ወይ 14 ተደርብዩ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታቶም ዝሃቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ውሽጢ 30 ደቃይቕ ብሰንኪ ቀዝሒ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ንቤት ፍርዲ ምስርክርነቶም ኣረጋጊጾም።

እታ መንእሰይ፣ ናብ ስደት እናምርሐት እንከላ፣ ብዘይትፈልጦ ሰብ፣ ኣብ ጉዕዞ ብዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝጠነሰት ድሕሪ ምሕባር፣ ካብ ማሕበራዊ ጸቕጥን ተነጽሎን ንምህዳም ነቲ ዕሸል ክትድርብዮ ከምዝወሰነት'ዩ ዝግለጽ።

ኣኽባር ሕጊ ጀርመን፣ ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምምርማር፣ ቀዳማይ ብዘይሓገዝ ሰብ ሞያ ኣብ ገዛ ክትሓርስ ምውሳና ካልኣይ ከኣ፣ ሕክምናዊ ረድኤት ከይረኸበ ምድርባያ፣ ብቕትለት ሰብ'ዩ ከሲሱዋ።

=================================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.