c


ገዲም ስነ ጥብባዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዓሪፉ

Radio Erena: 08 August 2017

alamin

ካብ እዋን ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ስነጥበብ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ክነጥፍ ዝጸንሐ ገዲም ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ ብ7 ነሓሰ ዓሪፉ።

ኣባል ማሕበር ትያትር ኣስመራ ማለት ማትኣ ብምዃን ሓያሎ ደርፍታት ዘፍረየን ድሒሩ'ውን ኣብ ስደትን ካብ ስደት ምስ ተመልሰን ካብዚ ሞያ ስነጥበብ ዘይትኣልየን ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፣ ኣብ ስነጥበብ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ መማህራን ሓደ'ዩ።

ሬድዮ ኤረና፣ ብሞት እስታዝ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዝተሰምዓ ሓዘን እናገለጸት ንኹሎም ስድራቤቱን ማሕበረ ሰብ ስነጥበብ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

 

============================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.