c


ፈረንሳ፣ ኩነታት ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

Radio Erena: 13 June 2017

Abune Anto

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኩነታት ናይቶም ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ሎሚ 13 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ፣ 89 ዓመት መሊኦም ዘለዎ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምዝኽኽር፣ ግቡእ ሕኪምናዊ ክንክን ከምዘይረኽቡ ኣስሚርሉ።

ኣቡነ እንጠንዮስ ዘለዉዎ ኩነታት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብግሁድ መሰል ሃይማኖት ዝርከቦ መሰረታዊ መሰላት ደቂሰብ ይግህሱ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ'ዩ ዝበለ መግስቲ ፈረንሳ፣ እቶም ኣቡን ክፍትሑ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ብጽኑዕ ሓሚሞም ንዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዘግዓዞም ዝፍልጥ'ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራት ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ብዛዕባ ሃለዋት እዞም ወዲ 89 ዓመት ኣቦ ደጋጊሞም ከምዝሓተቱ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረጋግጹ።

ካብዚ ብምብጋስ፣ ፈረንሳ፣ ኣብዚ ሎሚ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ መሰላት ሃይማኖታት ይኹን ናይ ውልቂ እምነታትን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ዝኣመሰሉ መሰላት ደቂ ሰብ ከምዘገድስዋ ብምርግጋጽ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝኸተምሉ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ተማሕጺና።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንኣተሓሕዛ ኣቡነ እንጠንዮስን ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ዝነቕፍ ተሪር መርገጺ ዘውጽእ ዘሎ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ውሽጢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ'ዩ።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደት፣ ኤርትራ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደት ዜጋታታ፣ ሞያዊ ዓቕሚ ሰባ ከይትጽንቕቕ ዘስግእ'ዩ ድሕሪ ምባሉ፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልዮን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክግበርን ከምዝተላበወ ኣይርሳዕን።

=====================  

Eritrea – Situation of the patriarch of the Orthodox Church (13 June 2017)

 

France is deeply concerned by the continued house arrest – which has now lasted 10 years - of His Holiness Abune Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Church.

We deplore the fact that in addition the 89-year-old does not have access to the medical care he needs.

 

We call for his release.

 

This situation reflects the Eritrean authorities’ serious and persistent violation of the freedom of religion or belief and fundamental freedoms.

 

France reaffirms its attachment to the freedom of religion or belief, as well as the freedom of opinion and expression. It calls on the Eritrean authorities to take all necessary steps to comply with the international commitments to which they have freely subscribed.

=================== 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.