c


ዜና ኤርትራ

መበል 70 ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ

Radio Erena: 12 December 2018

70 Years HR

10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ንመበል 70 ዓመቱ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣብ 1948 ዝተኸተመ ሓፈሻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብልዕሊ 500 ቋንቋታት ተተርጕሙ ኣሎ።

ይኹን'ምበር ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተማሉ ሓፈሻዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየኽብራ ይውቐሳ።

Read more...

ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ንፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንምእላይ ዘቕረብዎ እማመ ደገፍ ኣይረኸበን

Radio Erena: 12 December 2018

Somalia Parliament

ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብስልጣኑ ክእለ ዘቕረብዎ እማመ፣ ደገፍ ከምዘይረኸበ ተገሊጹ።

ካብቶም ኣቐዲሞም ነቲ እማመ ዘቕረቡ 92 ኣባላት ባይቶ ሶማል እቶም 14 ስለዝሓቡ ደገፍ ክረክብ ከምዘይክኣለ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ባይቶ ሶማል ብዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ እቶም ስሒቦም ዝብሃሉ ዘለዉ 14 ኣባላት ብጌጋ ኣስማቶም ዝሰፈረ ድኣ'ምበር ነቲ እማመ ካብ መጀመርያ ከምዘይደገፉ ይጠቕስ።

እቶም ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ እቲ ፕረዚደንት ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ብምኽታሙ፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጠለብ እማመ ብሰንበት 9 ታሕሳስ ናብ ኣፈኛ ባይቶ ከምዘቕረቡ ይፍለጥ።

Read more...

ፕረዚደንት ሶማል ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምኽታሙ፣ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጸዊዖም

Radio Erena: 10 December 2018

Somalia President

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምክያዱ፣ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ እማመ ብሰንበት 9 ታሕሳስ ኣቕሪቦም።

ማዕከናት ዜና ሶማል ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም 92 ኣባላት ባይቶ፣ ኣብ ዘቕረብዎ እማመ፣ እቲ ፕረዚድነት ንሃገራዊ ባይቶ ከይተወከሰን ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ከይሃበን ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከተሞ ስምምዓት፣ ንቅዋም እታ ሃገር ዝጥሕስ'ዩ ብዝብል'ዮም እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዑ ዘለዉ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ቅዋም ካብ ዝፈቕደሉ ስልጣን ንላዕሊ ተመጢጡ፣ ንሕግታትን ስርዓትን ፈደራሊዝም ሶማል'ውን ትሒሱ ኣሎ ክብል እቲ በቶም ኣባላት ባይቶ ዝቐረበ እማመ ብተወሳኺ ይወቕስ።

Read more...

የመን፣ ሑቲን መንግስትን ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ምስምማዕ ይስእኑ

Radio Erena: 12 December 2018

Yemen talks in Sweden

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም የመን፣ ሑቲን ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲን ኣብ ጉዳ'ታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከምዘይክኣሉ ተሓቢሩ።

ማእከል ስሕበት ፖለቲካዊን ወትሃደራውን ክልቲኦም ወገናት ዘላ ወደብ ሖደይዳ፣ ብሕቡራት ሃገራት ሃገራት ኣብ ዝተማእከለ ሓባራዊ ሰራዊት ክልቲኦም ወገናት ክትከውን ንዝቐረበ እዋመ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ኣይተቐበሎን።

ወደብ ሖደይዳ ኣብ ትሕቲ'ቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ክትኣቱ ኣለዋ ክብል'ዩ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ዘሎ ወኪል'ቲ መንግስቲ ዝጠቕስ።

Read more...

ኢጣልያ፣ 1.6 ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ረዲኤት ንኤርትራ ከተበርክት'ያ

Radio Erena: 10 December 2018

Italy aid

መንግስቲ ኢጣልያ፣ 1.6 ሚልዮን ዝግመት ረዲኤት ንኤርትራ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ነዚ ዝገለጸ፣ ብምክትል ሚኒስተር ናይቲ ሚኒስትሪ ኢማኑኤላ ደል ረ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ'ዩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ረዲኤት፣ ብቀንዱ ንቆልዑን ኣዴታትን መኣዛዊ መግብታት ኣብ ምቕራብ፣ ክታበት ቆልዑ፣ ከምኡ ድማ ሕርሻዊ መሳርሒታት ዘጠቓለለ'ዩ።

እቲ ረዲኤት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ( Unicef) ን ውድብ መግቢ ዓለም ( FAO)ን 'ዩ ንኤርትራ ክወሃብ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ኣስመራ፣ ኦሮታ ሆስፒታል ኣገልግሎት ዝጀመረ ክፍሊ ሕክምና ልቢ'ውን ብናይ ኣስታት 400 ሽሕ ኤውሮ ሓገዝ መንግስቲ ኢጣልያ ከምዝተሃንጸ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ይገልጽ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.