c


ኣህጉራዊ ዜና

ህዝቢ ዚምባብወ፣ ነቲ ብሰራዊት’ታ ሃገር ዝተወስደ ስጉምቲ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ

Radio Erena: 19 November 2017

mugabe must goብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዚምባብወ፣ ነቲ ብሓይልታት ምክልኻል’ታ ሃገር ዝተወስደ ስጉምቲ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ብዕለት 18 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረን ካልኦት ከተማታትን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ሓጎሱ ኣብ ጎደናታት ብዓውታ ክገልጽ እንከሎ፣ ‘ሙጋበ ይተኣለ’ ዝብል ጭርሖ ከምዘልዓለ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ሮበርት ሙጋበ ንበዓልቲ ቤቱ ክትትክኦ ድሕሪ ምሕጻዩ፣ ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣእትዩ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ክፈጥር ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ’ኳ እንተሎ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ ግና ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ክብሉ’ዮም ዝገልጹዎ።

Read more...

ቀጠር፣ ኣብ ሱዳን፣ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ ክትሃንጽ'ያ

Radio Erena: 17 November 2017

Qatar Sudan

ንግስነት ቀጠር፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ ኣብ ሱዳን ክትሃንጽ ምዃና ተሓቢሩ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ሱዳን ዋማኪ ዓዋድ ብዛዕባ'ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቀጠር ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ወደብ ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ሚኒስተር፣ በዚ ሓድሽ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ ወደብ ፖርት ሱዳን፣ ንውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ክውንን'ዩ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ወደብ ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ዝግለጽ ዘሎ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ዓሊ ሸሪፍ ኣል ዔማዲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር ካብ 12 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት'ዩ።

Read more...

ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ልምምድ ሰራዊት ሃገራት ም. ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 16 November 2017

sudan and UKብሪጣንያ፣ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃና ኣፍሊጣ።

ብሪጣንያ ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ኣብቲ ሓባራዊ ልምምድ ዝውዕል ወትሃደራዊ ሊጂስቲካዊ ሓገዛት ንምብርካት ምስ ሱዳን ስምምዕ ኣብ ዝኸተመትሉ'ዩ።

ነቲ ስምምዕ፣ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሜጀር ጀነራል ዒማድ ዔዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ፣ ብወገን ብሪጣንያ ድማ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ሱዳን ሚኪኤል ኣሮንን'ዮም ብ14 ሕዳር ከቲሞሞ።

Read more...

ንፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 17 November 2017

Mugabe and General

ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝኣለየ ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ብሓባር ዘቖምዎ መንግስቲ ክቐውም ክፈቅድ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀንዲ ተቓዋሚ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ዝነበረን መራሒ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሞርጋን ቫንጊራይ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን'ዩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ሕክምና ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝተነግረሉ ሞርጋን ቫንጊራይ ብ15 ሕዳር ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ንሲኤንኤን ዘረጋገጹ ምንጭታት፣ ምምላሱ ምስ ምእላይ ፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን'ዮም ዘተሓሕዝዎ ዘለዉ።

Read more...

ሚልሻ ሰራዊት ሱዳን፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር ከምዝማረኸ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 12 November 2017

janjawidኣሃዱ ሚልሻ ሰራዊት ሱዳን፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ምጽምባሩ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዳርፉር ከም ቀንዲ ሓለዋ ዶብ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ’ዩ ዘገልግል ዘሎ።

እቲ ኣሃዱ ምልሻ ትማሊ ቀዳም 11 ሕዳር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ‘’ሳቫና’’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራሒ ተቓወምቲ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ዓብደላ ራዚቐላህ ምስ ሓለውቱ ከምዝተማረኸ ኣፍሊጡ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.