c


ኣህጉራዊ ዜና

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 29 June 2017

Rus Eth

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚኒስተር ብ26 ሰነ ናብ ሞስኮ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባን ተመያይጦም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩስያን ዝጸንሐ ዝምድና ንምድልዳሉ ብዝልዓለ ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ከኣ ካብ ሞስኮ ዝተፈነወ ሓበሬታ የመልክት።

Read more...

ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ሰጉጓ

Radio Erena: 23 June 2017

yemen

ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ንግስነት ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ሰጉጉ።

ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ትሰጉግ ዘላ፣ ኣብ ስደት፣ ኣብ ሪያድ ዝመደበሩ መንግስቲ የመን ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ቀጠር ዝነበሮ ዝምድና ድሕሪ ምብታኹ'ዩ።

ምስ ስዑዲ ዓረብ ይኹን ምስ ቀጠር ጸግዒ ዘይሓዘት ሱዳን፣ ምእንቲ ረብሓታት የመን ኣብ ቀጠር ዝከኣላ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያላ።

የመን፣ ባሕሬን፣ ግብጺን ሊብያን ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋን ዝምድንአን ከምዝበተኻ ኣይርሳዕን።

Read more...

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ወሽመጥ ንምዝታይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣሚሪሑ

Radio Erena: 22 June 2017

Bashir and Salman

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ንምዝታይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣሚርሑ።

እቲ ፕረዚደንት ብ20 ሰነ ናብ ጀዳ ድሕሪ ምእታው ምስ ንጉስ ሳልማን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ተዘራሪቡ።

ዛጊት ጸግዒ ናይ ስዑዲ ዓረብ ይኹን ናይ ቀጠር ዘይሓዘት ሱዳን፣ ነቲ ብኣሚር ኩዌት ዝቐረበ፣ ናይ ዕርቅን ሽምግልናን ተበግሶ'ያ ትድግፍ ዘላ።

Read more...

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ንዝነበረ ወዲ ሓዉ ብምእላይ ብወዱ ተኪእዎ

Radio Erena: 23 June 2017

saudi

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ንዝነበረ ወዲ ሓዉ ብምእላይ፣ ብወዲ 31 ዓመት ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ተኪእዎ።

እቲ ንጉስ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ ብጥዕና ተዳኺሙ ብምህላዉ፣ ንወዱ ምሉእ ናይታ ሃገር ናይ ምምራሕ ዕድል ክህቦ ስለዝደለየ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካዊ እታ ሃገር ይጠቕሱ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ሕጊ ምትኽኻእ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ እታ ሃገር፣ ወዲ ሓዉ ንንጉስ ሳልማን፣ መሓመድ ቢን ናይፍ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ኮይኑ፣ እቲ ንጉስ ብሞት ይኹን ካልእ ምኽንያት ምስ ዝእለ፣ ነቲ ጉስ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ንሱ'ዩ ኔሩ።

Read more...

ኣብ ለንደን ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ህንጻ፣ ክልተ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 16 June 2017

england fire

ኣብ ብሪጣንያ፣ ከተማ ለንደን ኣብ ዘጋጠመ ባርዕ ህንጻ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ብሰሉስ 13 ሰነ ኣብ ማእከል ለንደን፣ ኣብ ዝርከብ በዓል 24 ደርቢ ህንጻ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 17 ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣስታት 60 ዝኾኑ ከኣ ሃለውቶም ከምዘይተፈልጠ ጸብጻብ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ የመልክት።

 ካብዞም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝበሃል ዘሎ ኣስታት 60 ሰባት፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተሓብሩ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዘለዉ፣ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ክጠቕሱ እንከለዉ፣ ምሉእ መንነቶም ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ሓቢሮም።

ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ከተማ ለንደን ዳኒ ኮቶን፣ ሃለዋቶም ጠፊኡ ናይ ዘሎ ሰባት መንነት ብልክዕ ንኽንጸር ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል ይገልጽ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.