c


ኣህጉራዊ ዜና

ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 28 May 2018

kagame in ethiopia

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፓል ካጋመ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ካብ 25 ክሳብ 27 ዘካየዶ ዑደት፣ ኣብ ጉዳይ ናይል፣ ናጻ ናይ ሰብን ንግድን ምንቅስቓስን ወፍርን ንግድን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ብምትኳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ናብ ዓበይቲ ንግዳዊ ማእከላትን ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ሃውስን ከምዝተዘዋወረ ተሓቢሩ።

Read more...

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 May 2018

beshir alፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፣ ብኣንጻር’ቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጾ ዘሎ ጸቕጢ፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ዘሎ ቅልውላው ፈቲሓ ሰላምን ጸጥታን ክሳብ እተስፍን፣ ሱዳን ኣብ ጎድና ደው ኢላ ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ካብ ሑቲ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላቱ ከሲሩ’ዩ።

Read more...

25 ግንቦት፣ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍርቃ ብደረጃ ዓለም ይዝከር

Radio Erena: 25 May 2018

AU

መዓልቲ ኣህጉር ኣፍርቃ ሎሚ 25 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

እዚ ብምኽንያት ምምስራት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ 25 ግንቦት 1963፣ ንመበል 55 ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዞባታትን ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሓያሎ ሃገራት ሓቢሮም ይዝክርዎ ኣለው።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ድሕሩ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ንሽግራት እዛ ኣህጉር ብፍላይ ድማ ንምስሊ እዛ ኣህጉር ደዊኑ ዘሎ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓታት ከወግድ ኣይክኣለን።

ብድኽነትን ድሕረትን እትሳቐ ዘላ ኣፍሪቃ፣ መዓስከር ውልቀ መለኽቲ እናተባህለት ከምእትግለጽ ይፍለጥ።

Read more...

ሱዳን፣ ንኽሲ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ

Radio Erena: 25 May 2018

sudan foreign affairs

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓቢረን ንተቓወምቲ ኤርትራ ንምሕጋዝ ክሰርሓ ተሰማሚዐን ንዝብል ብ15 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

እቲ ሚኒስትሪ ብ23 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣንጻር ኤርትራ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ብሓባር ክድግፉ ተሰማሚዖም ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኤርትራ፣ መሰረት ዘይብሉ'ዩ ክብል ነጺግዎ።

ብመግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ቅሬታ ከምዝተሰምዖ ዘመልከተ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ እቲ መንግስቲ ንዘጋጥምዋ ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት፣ ናብ ሱዳን ካብ ምውጥዋጥ ክቁጠብ ተማሕጺኑ።

Read more...

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ስደት ምስ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ኦሮሞ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 25 May 2018

Ethiopia

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስደት ምስ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ኦሮሞ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ብኣቶ ሌንጮ ለታ ዝምራሕ ሓደ ካብ ዓብይቲ ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ግንባር ኦሮሞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ዝዘራረብ ዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረበሉ ዕድመ መሰረት'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ይመጽእ ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ሌንጮ ለታ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ብብረት ለውጢ ንምምጻእ ምፍታን ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ'ዩ ዘረድእ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.