c


ኣህጉራዊ ዜና

ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብደብዳብ ናይ ዝተቐትሉ 14 ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ

Radio Erena: 03 September 2017

yemen_raidብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሰንዓ ብዘካየዶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ናይ ዝተቐትሉ 14 ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ።

ወሃብ ቃል’ቲ ልፍንቲ ኮሎኔል ቱርኪ ኣል ማልኪ ንኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ብዓርቢ 1 መስከረም ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ገለ ተክኒካዊ ጌጋታት ስለዝነበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘውረደ ድሕሪ ምእማን፣ ንስድራቤት ግዳያት ይቕሬታ ሓቲቱ።

ንሱ ብተወሳኺ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ኣብ መንጎ ሰላማዊ ሰብ ዝነብረሉ ከባቢታት ወተሃደራዊ ኣንቴናታት መራኸቢ ብምዝርግሖም እቲ ጉድኣት ክወርድ ከምዝኸኣለ ኣብሪሁ።

ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ’ውን ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ከተማ ሰንዓ ብዘካየዶ ደብዳብ 35 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

Read more...

ጅቡቲ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምጽራይ ናይ 63 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ ኩባንያታት ፈረንሳን ስጳኛን ከቲማ

Radio Erena: 01 September 2017

djibouti

ጅቡቲ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዝስተ ማይ ብምጽራይ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ ዘኽእላ ናይ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ ናይ ፈረንሳን ስጳኛን ኩባንያታት ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ምኽታማ ማዕከንዝ ኤና ፈረንሳ ለ ፊጋሮ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ብቀጻሊ ንጸጋጥማ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ኤፋዥን ምስ ዝተባህለ ናይ ፈረንሳ ኩባንያ ናይ 37 ሚልዮን ዶላር ውዕል ክትክትም እንከላ እቲ ዝተረፈ ከኣ ኤሲኤስ ምስ ዝተባህለ ናይ ስጳኛ ኩባንያ ዝተሰማምዐቶ'ዩ።

እቲ ብተሓዳሲ ጸዓት ክካየድ ምዃኑ ዝተገልጸ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክዛዘም'ዩ።

Read more...

ጸቕጢ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ይዓዝዝ

Radio Erena: 31 August 2017

gulf_flagመንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይቕጽልኦ ከምዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ጋልፍ ታይምስ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸብጻብ፣ እዘን ክልተ ሃገራት መንግስቲ ሶማል ኣብ ደምበአን ንኽጽንበር ልዕሊ 80 ሚልዮን ዶላር መቑሽሽ ሰሊዐናሉ ኣለዋ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነዚ ካብ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ተሰሊዑ ዘሎ መቑሽሽ ብምጉሳይ፣ ምስ ቀጠር ዝጸንሖ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘይበትኽ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ደጊሙ ምርግጋጹ'ውን ተሓቢሩ።

ፕረዚንት ሶማል መሐመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ በንጻሩ፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል ከብቅዕ፣ ዲፕሎማስያዊ ዘተ እቲ እንኮ ኣመራጺ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

Read more...

እገዳ ሱዳን ክለዓል ተስፋ’ሎ፣ ሚ.ጉ.ወ. ጋንዶር

Radio Erena: 31 August 2017

 usaid_sudanኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንኣስታት 20ታት ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳ ከተልዕሎ ተስፋ ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ሓላፊ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ንኣህጉራዊ ምዕባለ (USAID) ማርክ ግሪን ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ።

ማርክ ግሪን ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝነበረ ኩነታት ሱዳንን ዝምድና ክልትኤን ሃገራትን ድሕሪ ምግምጋም ንቀጻሊ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዛት ብዝምልከት'ዩ ዘትዩ።

እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ ምዃና ዝኾነ ኣንፈት ኣይሃበን።

Read more...

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ብዝካየድ ዘሎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፣ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ይተዓናቐፍ

Radio Erena: 29 August 2017

 oromiya unrestኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ጸጸኒሑ ብዝካየድ ዘሎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፣ ኣብ 29 ወረዳታት ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ደው ኢሉ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ካብ ዝርከባ 315 ወረዳታት፣ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኣድማ፣ ኣብተን 29 ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንሳልስቲ ኣቋሪጹ ምጽንሑ ገሊጻ።

ኣብ ሰፊሕ ክፋል ክልል ኦሮሞ፣ ብሰንኪ ምኽፋል ግብሪ ብዝተላዕለ ተቓውሞ፣ ህዝቢ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ።

ብሰንኩ ድማ፣ ወነንቲ ዱኳናት፣ ኣብያተ ሸቐጥ፣ ቤት መግብን መስተን ከማኡ ድማ ታክሲ፣ ሚኒባስን ኣውቶቡሳትን ዝኣመሰላ መጓዓዝያታት፣ ንጥፈታቶም ደው ብምባል፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀሎም ናይ ግብሪ ኣከፋፈላ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ይቃወሙ ኣለዉ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.