c


ኣህጉራዊ ዜና

ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ሱዳንን ቀጠርን ኣኼባ የካይድ

Radio Erena: 17 October 2017

sudan qatar

ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ሱዳንን ቀጠርን፣ መበል ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ።

እቲ ትማሊ 16 ጥቅምቲ ፈሊሙ ሎሚ ዝዛዘም ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ንግድን ቁጠባዊ ሽርክናን ንምዕባይ ዝዓለመ'ዩ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ወፍሪ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዋ'ያ ትገልጽ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ዝተኸስተ ምስሕሓብ፣ ነታ ምስ ክልቲኤን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሱዳን ከይጸልዋ ተሰጊኡ'ዩ ጸኒሑ።

ሱዳን፣ ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ጸግዒ ከይሓዘት፣ ኣብ ዕርቅን ሽምግልናን ዝተመርኮሰ መርገጺ ምሓዛ፣ እቲ ኣቐዲማ ምስ ቀጠር ዝጀረመረቶ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ክትቅጽሎ ትርአ ኣላ።

Read more...

ሱዳን ኣብ ክሊ ማያታ ዘሎ ቀይሕ ባሕሪ ሰራዊታ ከተዋፍረሉ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 15 October 2017

 sudanese chief of staffሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከተዛዪዶ ምዃና ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ኢማድ ኣል-ዲን ዓዳዊ ብረቡዕ 11 ጥቅምቲ ኣብ መመረቕታ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ማያዊ ዶባታ ንምሕላው ሓድሽ ኣሃዱ ንምቛም ብዝወጠነቶ መሰረት ኣብ ስሩዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ዝዋፈር ሰራዊት ከምእተቕውም ኣፍሊጡ።

እቲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ንጽባሒቱ ሓሙስ’ውን ንኮሚሽነራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣኪቡ ኣገዳስነት’ዚ ምቛም ሓድሽ ኣሃዱ መብርሂ ሂቡ።

ሱዳንን ግብጽን ንዋንነት ስሉሳዊ ክሊ ማያት ሓላይብ፣ ሻላቲንን ኣቡ ራማድን ብዝምልከት ንሓያሎ ዓመታት ክሰሓሓባ ጸኒሐን’የን። እዚ ሓድሽ ዝቐውም ወተሃደራዊ ሰራዊት ሱዳን ክቆጻጸሮ ዝበሃል ዘሎ ከባቢታት፣ ካብ መፋርቕ 1990 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ብግብጺ’ዩ ጸኒሑ።

Read more...

ዚምባብዌ፣ ሓድሽ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ውሕስነት ኢንተርነት ግዳይ ዳእላ ይኸውን

Radio Erena: 13 October 2017

minister internet zimbabwe

ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ዘካየዶ ምቅይያር ሚኒስተራት፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ንዝነበረ ፓትሪክ ቺናማሳ ካብ መዝነቱ ብምእላይ፣ ሚኒስተር ውሕስነት ኢንተርነት ክኸውን ምምዛዙ፣ ግዳይ ዳእላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኮይኑ።

እቲ ንሓያሎ ዓመታት ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ በዓል ስልጣን፣ ናብቲ ኣብ ምቁጽጻርን ድሕነትን ኢንተርነት ዘተኮረ ሓድሽ ሚኒስትሪ ምምዛዙ፣ ሓያሎ መርበባት ሓበሬታ፣ ሚኒስተር 'ሃገራዊ ፌስቡክ' እናበላ ክቕልዳሉ እንከለዋ፣ ካልኦት ድማ ሓላፊ 'ሃገራዊ ዋትስኣፕ' ክብላ ጠቒሰንኦ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 13 October 2017

oromo

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ከባቢታት ኣምቦን ሻሸመኔን ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ፣ ሰልፈኛታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ካብ ስልጣን ክወርድን ዝጽውዕ ጭርሖታት ከምዘስምዑ ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከምዚ ዓይነት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮሞን ሶማልን ዝተጎሃሃረ ግጭት ገና ፍታሕ ኣብ ዘይረኸበሉ እዋን'ዩ።

ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ብምኽንያት'ቲ ዝሓለፈ ቅነ ዝተባዕለ ሃይማኖታዊ በዓል ህዝቢ ኦርሞ- ኢሬቻ ተቓውሞን ናዕብን ከይጎሃሃር ተሰጊኡ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ርእሰ በዓላት ህዝቢ ኦሮሞ ብዘይዝኾነ ተቓውሞ'ዩ ሓሊፉ።

Read more...

ቶጎ፣ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ እስራኤልን ሃገራት ኣፍሪቃን ተሰሪዙ

 

Radio Erena: 12 October 2017

 togo_israilካብ 23 ክሳብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ቶጎ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ እስራኤልን ሃገራት ኣፍሪቃን ተሰሪዙ።

እቲ ዋዕላ ብጠለብ መንግስቲ ቶጎ ከምዝተሰረዘ ዘረጋገጸ ሚኒትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር፣ ኣብ ካልእ እዋን ንምውዳቡ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቶጎ፣ ፎር ኢሶዚምና ናሲንግበ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን እስራኤልን ከካይድዎ ዝወጠኑ ዋዕላ፣ ተወሳኺ ምድላዋት ከምዘድልዮ ብምጥቃስ ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግሮ ከምዝወሰነ ኣነጺሩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.