c


ኣህጉራዊ ዜና

ሶማል፣ ፕረዚደንት ዝመርሖ ኣንጻር ኣልሸባብን ካልኦት ሽበራውያን ጉጅለታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 20 October 2017

somal protest

ኣብ ሶማል፣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝመርሖ፣ ኣንጻር ኣልሸባብን ካልኦት ሽበራውያን ጉጅለታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተረኺቦም።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ንግዳያት እቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸበደ ዝኾነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ወትሩ ክንዝክሮም ኢና ክብል እንከሎ፣ ኣብ ጎኒ'ቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ኻይረ ድማ እቲ ሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበር መቃዕቲ፣ ንሶማላውያን ከምዝሓብሩ ጌሩ ኣሎ ክብል ገሊጹ።

Read more...

ኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ሕ.ኢ.ዓ. ወዲቓ ብምሕምሻሻ ክልተ ኣብረርታ ሞይቶም

Radio Erena: 18 October 2017

uae planeኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወዲቓ ብምሕምሻሻ ክልተ ኣብረርታ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት፣ ብሰሉስ 17 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ ስርሒት እንከላ ብሰንኪ ዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ከምዝወደቐት ዝሓበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት፣ ክልቲኦም ኣብረርታ ከምዝሞቱ ተኣሚኑ ኣሎ።

ይኹን'ምበር እታ ነፋሪት ካብ ሓይልታት ሑቲ ብዝተተኮሰላ ጸረ ነፈርቲ ተወቒዓ ክትከውን ከምእትኽእል ይግለጽ።

Read more...

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘትዮም

Radio Erena: 17 October 2017

igad

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብምርኻብ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተዘራሪቦም።

እቶም ሸውዓተ ሚኒስተራት ብዓርቢ 13 ጥቅምቲ ኣብ ጁባ፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፣ ተሰናኺሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዳግም ንምብርባሩን ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ዝዓለመ'ዩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ነቲ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ሚኒስተራት ኢጋድ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ኢጋድ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምዕዋት ንዝወሰዶ ተበግሶ ኣመስጊኑ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብወገኖም፣ ፕረዚደንት ኪር ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ዘለዎ ትዕዝብትን ብዝምልከት ወግዓዊ መብርሂ ክህብ ሓቲቶም።

Read more...

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብ ምሕናቕ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ምልክታ ኣውጺኡ

Radio Erena: 19 October 2017

zim hungመንግስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብ ምሕናቕ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ብዘውጽኦ ምልክታ፣ 50 ሰባት ከምዝተመዝገቡ ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ካብታ ሃገር ሓቢራ።

ዚምባብዌ፣ ከቢድ ገበን ንዝፈጸሙ እሱራት ብሞት ምቕጻዕ ትቕጽሎ እኳ እንተላ፣ ካብ 2005 ንደሓር ግና ኣብ ግብሪ ከየውዓለቶ'ያ ጸኒሓ።

ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ነበር ኤመርሶን ምናንጋዋ፣ ኣብ ስልጣን ኣብዝ ነበረሉ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ መቕጽዒ ገበናዊ ሕጊ እታ ሃገር ንምእላዩ እኳ እንተሰርሐ ኣይተዓወተን።

Read more...

ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 300 በጺሑ

Radio Erena: 17 October 2017

mogadisho attack

ኣብ ሶማልያ ከተማ ሞቛድሾ ብቀዳም 13 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 300 ከምዝበጽሐ ሰብ ሞያ ሕክምና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብፎኵስን ከቢድን ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሰባት፣ እቶም ፍርቆም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዘረጋገጹ ሓካይም እቲ ሆስፒታል፣ እዚ ድማ ንቁጽሪ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቀትሉ ሰባት ልዕሊ 300 ከምዘዕረጎ ኣረዲኦም።

ኣብ ፍርስራስ ኣባይቲ ተጸቒጦም ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጡን ብኸቢድ ተሃስዮም ኣብ ኮማ ዝኣተዉን'ውን ስለዘለዉ፣ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.