c


ኣህጉራዊ ዜና

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀ/ ሚኒስተር የመን ይገልጽ

Radio Erena: 24 October 2017

iran ship

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ዖባይድ ቢን ዳገሀር ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መልእኽቱ፣ እታ 19 ባሕረኛታት ዝነበሩዋ ናይ ኢራን መርከብ፣ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ እትርከብ ደሴት ሶኮትራ፣ ብየመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተታሕዘት'ዩ ጠቒሱ።

ይኹን'ምበር፣ እታ መርከብ፣ እንታይ ከምዝጸዓነትን ናበይ ተመርሕ ምንባራን ኣይሓበረን።

ኢራን ብዛዕባ ምትሓዝ መርከባ ኣመልኪቱ ብቀዳማይ ሚኒስተር የመን ንዝተዋህበ ሓበሬታ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

Read more...

ውድብ ጥዕና ዓለም ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝሃቦ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ኣሕዲግዎ

Radio Erena: 24 October 2017

mugabe

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ንፕረዚደንት ሃገረ ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ዝሃቦ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ከምዘሕደጎ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ብዛዕባ ምምንዛዕ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጽላት ጥዕና ዚምባብዌ፣ ካብቲ ካልእ ጽላታት እታ ሃገር ብዘይፍለ ተዳኺሙ ብምህላዉ፣ እቲ ውድብ ናብዚ ውሳነ ከምዝበጽሐ ኣነጺሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብዚ ናይ 37 ዓመት ዘመነ ስልጣኑ፣ ምዕሩይ ዝርግሐ ኣገልግሎት ጥዕና ኣተኣታትዩ እኳ እንተነበረ፣ ካብ 2000 ኣትሒዙ ግና ምስ ምውዳቕ ቁጠባ እታ ሃገር፣ ጽላት ጥዕና'ውን ዳርጋ ናብ ዘየለ ደረጃ ወሪዱ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

Read more...

ቁጽሪ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሶማላውያን ናብ 358 ክብ ኢሉ

Radio Erena: 22 October 2017

somalia bombedቁጽሪ ናይቶም ብዕለት 14 ጥቅምቲ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሶማላውያን ናብ 358 ክብ ኢሉ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ሶማል ዓብዲራሕማን ዑስማን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ድሕሪ’ቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ገና 56 ሰባት ጠፊኦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ 228 ዝቖሰሉ፣ 122 ከኣ ንላዕለዋይ ሕክምና ናብ ቱርኪ ሱዳንን ኬንያን ተወሲዶም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሶማል ንመላእ ሃገር ዝጽውዕ ናይ ክተት ኣዋጅ ክእውጅ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ኣብዚ ሳልስቲ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ናይ ክተት ኣዋጅ ድሮ ደገፈን ክገልጻ ጀሚረን ኣለዋ።

Read more...

ኣመሪካ ንሱዳን ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ብምትሕልላፋ፣ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 22 October 2017

state depኣመሪካ ንሱዳን ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ብምትሕልላፋ፣ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብሓሙስ 19 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፣ ሓያሎ ከተማታት ሱዳን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየደለን ተኽእሎ ስለዘሎ፣ ናብ ሱዳን ዝገሹ ኣመሪካውያን ክቑጠቡ፣ እንተዘይኮይኑ ከኣ ፍሉይ ጥንቃቐ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ጋሪበላህ ኸድር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣመሪካ ዘውጸኣቶ መጠንቀቕታ፣ ‘መንግስቲ ሱዳን ጸጥታን ውሕስነትን ሃገሩ ከኽብር ዓቕሚ የብሉን’ ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላልፍ ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ መጠንቀቕታ ክትስሕቦ ጸዊዑ።

Read more...

ካብ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ሰራዊት፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ልምምድ ከካይድ'ዩ

Radio Erena: 20 October 2017

EASF training

ካብ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ሰራዊት፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ፖርት ሱዳን ሓባራዊ ልምምድ ከካይድ'ዩ።

እቲ ብድሉው ሓይሊ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ሰራዊት፣ ኣብ ከባቢ ፖርት ሱዳን ሓባራዊ ልምምድ ከካይድ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ዳይረክተር ናይቲ ዞባዊ ሓይሊ ዓብዲላሂ ዑመር ቡህ ብ17 ጥቅምቲ ኣብ ሩዋንዳ ብምብጻሕ ምስ ሚኒስተር ምክልኻልን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ።

ጁቡታዊ ዓብዲላሂ ዑመር ቡህ፣ ቅድሚኡ ንዝነበረ ተወላዲ ኮሞሮስ ኣምባሳደር እስማዒል ቻንፊ ብምትካእ'ዩ፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳይረክተር ድሉው ሓይሊ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ኮይኑ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.