c


ኣህጉራዊ ዜና

ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 29 December 2017

turkey

ቱርኪ ኣብ ሱዳን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዋኪን ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ምዃና ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ።

ቱርኪ፣ ነቲ ብዘይ ዝኾነ ንጡፍ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ገማግም ባሕሪ ስዋኪን ንወትሃደራዊ መዓስከር ክትጥቀመሉ ኣብ ስምምዕ ትበጽሕ ዘላ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጣይብ ኤርዶዋን ብ24 ታሕሳስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት በሽር ድሕሪ ዝኸተምዎ ውዕል'ዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሶማል'ውን ተመሳሳሊ መዓስከር ዘቖመት ቱርኪ፣ ናብ ውሽጢ ቀይሕ ባሕሪ ክትኣቱ ምኽኣላ፣ ንስዑዲ ዓረብ ካልእ ስግኣት ክፈጥረላ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

Read more...

ሰበስልጣን ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ናይል ዘካየዱዎ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ

Radio Erena: 27 December 2017

ethiopian daሰበስልጣን ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ናይል ዘካየዱዎ ዘተ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ፣ ግብጺ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ሓደ መዕለቢ ክበጽሓ ብዘይምኽኣለን፣ ኣህጉራውያን ክኢላታት ክጽምበርዎ፣ ግብጺ ከምዝጸወዐት ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ድሕሪ’ቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ፣ ንዋሕዚ ማይ ናይል ከምዘየጉድሎ ቅድም ከተረጋግጽ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደ መዕለቢ ብዘይምብጸሐን ፍልልያተን ተኣሚነን ኣህጉራውያን ናይ ተክኒክ ክኢላታት ክጽምበሩ ሓሳብ ኣቕሪብና’ለና ኢሉ።

Read more...

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ብዘካየዶ ደብዳብ 14 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 December 2017

yemen raidብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ከተማ ጣይዝ ናይ የመን ብዘካየዶ ደብዳብ ብዉሑዱ 14 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሉስ እውን ብተመሳሳሊ 16 ሰላማውያን ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ 11 ኣባላት ኣል ሑቲ ከምዝተቐትሉ ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ሕክምና ሓቢሮም።

ከተማ ጣይዝ ኣብ ትሕቲ ብስዑድያ ተደጊፉ ዘሎ መንግስቲ የመን እኳ እንተላ፣ ዝበዝሐ ከባቢታት’ታ ከተማ ግና ብኣል ሑቲ ተታሒዙ ዝለዘሎ ንሰለስተ ዓመታት ዓውዲ ኲናት ኮይና’ያ ጸኒሓ።

Read more...

ሱዳን ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ንምምካት ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

Radio Erena: 28 December 2017

Abdrahman Dirar

ሱዳን ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ንምምካት ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጸአት ሚኒስተር ፋይናንስ’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብሰሉስ 26 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ተጋቢኡ ንዝወዓለ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣጋጢሙ ንዘሎ ቅልውላው ባጤራ ንምምካት ምምሕዳራዊን ጸጥታዊን ሕግታት ከተኣታቱ ምዃና ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብፍላይ ዶላር ዋግኡ ብመንጽር ባጤራ ሱዳን ውሱን ከምዝኸውን ኣፍሊጡ። ኩለን ትካላት መንግስቲ በዚ ሓድሽ ዝጸድቕ ዋጋ ሸርፊ ዶላር ክሕጸራ ምዃነን እውን ሓቢሩ።

Read more...

መንግስቲ ኢትዮጵያ ን361 እሱራት ምሕረት ጌሩ

Radio Erena: 27 December 2017

ethiopia

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይዲ ንዝጸንሑ 361 እሱራት ብ25 ታሕሳስ ምሕረት ከምዝገበረሎም ሺንሁዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቶም ምሕረት ተጌርሎም ዘሎ እሱራት፣ ዓሚ ኣብ ዶቡባዊ ዞባ እታ ሃገር ኣብ ከባቢ ጌዶ ኣብ ዝተኻየደ ናዕብን ዕግርግርን ብምስታፎም ዝተኣስሩ'ዮም።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ፣ ካብቶም ኣብቲ እዋን ብኣልማማ ዝተኣስሩ ኣማኢት ሰባት ነቶም 141 ብቕትለትን ካልእ ከበድቲ ገበናትን ከሲስዎም ኣሎ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.