c


ኣህጉራዊ ዜና

ጉዳይ ናይቲ ኣብ ቱርኪ ዝሞተ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ጽልዋ ከይፈጥር ተሰጊኡ

Radio Erena: 15 October 2018

Kashoggi

ጉዳይ ናይቲ፣ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ፣ ደሃዩ ጠፊኡ ድሕሪ ምቕናይ ከምዝሞተ ዝግለጽ ዘሎ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ጽልዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ ይገልጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ጀርመንን ብጉዳይ ሃለዋት ናይቲ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ቁጠባዊ ጸቕጢ ክፈጥራ'የን ጸኒሐን።

ስዒዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ድሕሪ ምእታዉ ደሃዩ ዝጠፍአ ዜጋኣ ሓበሬታ ክትህብ ጸቕጢ ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ከምዝሞተ ኣረጋጊጻ ኣላ።

Read more...

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ኣብ ሶማል ንዝጸንዐ ማዕቀብ ኣጽዋር ከምዝጠሓሰት ክሲ ቀሪቡ

Radio Erena: 14 October 2018

uae_somaliaሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሶማልያ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ብተደጋጋሚ ትጥሕስ ኣላ ክብል ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከሲሱ።

እቲ ገና ንሕትመት ዘይበጽሐ ዘሎ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፣ ኢማራት ዓረብ ኣብ በርበራ ዝጀመረቶ ምህናጽ ወተሃደራዊ መዓስከር ትቕጽሎ ከምዘላን፣ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ተግዕዝ ከምዘላን ይወቅስ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምህናጽ’ቲ ወተሃደራዊ መዓስከር፣ ምስ ሰበስልጣን’ታ በይናዊ ናጽነት ዝኣወጀት ግዝኣት ሶማሊላንድ ድሕሪ ዘካየደቶ ስምምዕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ያ ጀሚራቶ።

Read more...

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 154 ኡጋንዳውያን ሰጕጓ

Radio Erena: 09 October 2018

deportee ugandansሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 154 ኡጋንዳውያን ናብ ዓዶም ከምዝሰጎጎት ንኤምባሲ እታ ሃገር ካብ ኣቡዳቢ ብምጥቃስ ደይሊ ሞኒተር ገሊጹ።

ገለ ካብ’ቶም ናብ ዓዶም ተጠሪዞም ዘለዉ ኡጋንዳውያን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኮይኖም ካልኦት ከኣ ብዝተፈላለየ ገበናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ'ዩም።

እቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ፣ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ፣ ጽሬት፣ ምምራሕ መካይንን ካልእ ናይ ጉልበት ዕዮታትን ዝተዋፈሩ ልዕሊ 65 ሽሕ ኡጋንዳውያን ክህልዉ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት 30 ሽሕ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከቡ'ዮም።

Read more...

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ተዋፊሩ

Radio Erena: 09 October 2018

Sudan army

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ የመን፣ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ከምዝተዋፈረ ኣል ዓረብያ ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቑጽጻር ድሕሪ ዘካየድኦ ጽዑቕ ደብዳባት'ዩ ሰራዊት ሱዳን ናብታ ከተማ ከምዝተዋፈረ ዝግለጽ ዘሎ።

ብዝሒ ናይቲ ብሰንበት 7 ጥቅምቲ ዝተዋፈረ ብዝሒ ሰራዊት ሱዳን እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ ኣቐዲሞም ምስ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ልፍንቲ ብምውህሃድ ክነጥፍ ምዃኑ ግና ተሓቢሩ።

ሱዳን፣ ኣብ የመን ልዕሊ 1500 ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ዝበጽሖ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ክሰሓብ ብተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ንዝቐረበ ጻውዒት መንግስቲ ሱዳን ነጺግዎ'ዩ።

Read more...

‘’ኢትዮጵያ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጥታት ክትገብር’ያ’’ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

Radio Erena: 07 October 2018

abiy and demekeመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ትካላት ንምዕዛዝ ዓበይቲ ለውጥታት ክገብር ምዃኑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ መዛዘሚ መበል 11 ዋዕላ ኢህወደግ፣ ኣብ ዘስመዖ ቃል’ዩ።

ብረቡዕ 3 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንሳልስቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢህወደግ፣ ነቲ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር ደሞክራስያዊ መስርሕ ክኽተል ዘኽእሎ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ምርግጋጽ ስርዓተ ሕጊ፣ ሽቕለተ ኣልቦነትን ድኽነትን ዝብሉ ጉዳያት ዝያዳ ኣቓልቦ ረኺቦም ብሰፊሑ ከምዝተዘተየሎም፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይገልጻ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.