c


ኣህጉራዊ ዜና

ጅቡቲ፣ ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ወዲቓ

Radio Erena: 05 April 2018

us forceኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ከምዝወደቐት ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ AV-8B Harrier ዝዓይነታ ዝተራቐቐት ነፋሪት ኵናት ብሰሉስ 3 ሚያዝያ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምቦሊ ናይ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይበረረት'ያ ወዲቓ።

ኣብራሪኣ፣ ብጋንጽላ ክወርድ ብምኽኣሉ ከቢድ ጉድኣት ከምዘይወረዶ ዝሓበረ ሓይሊ ባሕሪ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብወገኑ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ለሞንየ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ ኣብ ባይታ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ይኹን ንብረት ዘብጽሓቶ ዕንወት ኣይተሓበረን።

Read more...

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ሓለፍቲ ጸጥታን ሱዳንን ግብጽን ኣብ ካርቱም ክዝትዩ'ዮም

Radio Erena: 03 April 2018

egypt sudan

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ሓለፍቲ ጸጥታን ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ካርቱም ክዝትዩ ምዃኖም ንኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሱዳን ብምጥቃስ ጋዜጣ ኣል ማስሪ ኣል ዮም ሓቢራ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ወርሒ ለካቲት'ውን ተመሳሳሊ ርክባት ከምዘካየዳ ይዝከር።

ርክብ እዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት በብእዋኑ ዝርአ ምስሕሓብ ብጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ሸነኻት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን መፍትሕን ብምትኳር ንምዝታይ ዝዓለመ'ዩ።

ካብ መውዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017 ኣትሒዙ ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ዓሪጉ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ግብጽን ሱዳንን፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ዝሒሉ ይርከብ።

Read more...

ቐጠር ኣብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ወደብ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 01 April 2018

ali ahmedቐጠር ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን እተካዪዶ ዘላ ገዚፍ ወፍሪ፣ ንመላእ’ቲ ዞባ ናይ ምዕባለ ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ ክብል ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ዓሊ ኣሕመድ ሓሚድ ገሊጹ።

ካብ ከተማ ዶውሓ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣመሓዳሪ ዓሊ ኣሕመድ ሓሚድ ብ31 መጋቢት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቐጠር ኣብ ስዋኪን ወደብ ንኽትሃንጽ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘተ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን ናብ ተግባራውነት ዝሰጋገረሉ እዋን በጺሑ ክብል ገሊጹ።

እቲ ቐጠር 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘካየደትሉ ዝንገረሉ ዘሎ ሓድሽ ወደብ ስዋኪን፣ ብዓይነት ኣገልግሎቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓበየ ከምዝኸውን ይግለጽ።

Read more...

ስምምዕ ኮቶኖ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ቀንዲ ዛዕባኡ ክኸውን ጠለብ ቀሪቡ

Radio Erena: 01 April 2018

cotonou logoሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካሪብያንን ፓሲፊክን ዝኣትዎ ስምምዕ ንጉዳይ ስደተኛታት ከጠቓልል ኣለዎ ክብሉ ሰበስልጣን ኤውሮጳ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ብ’ኮቶኖ ኣግሪመንት’ ዝፍለጥ ስምምዕ ከብቅዕ ክልተ ዓመታት ተሪፉሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዳግማይ ንምሕዳሱ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፣ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዘቕረቦ መደረ፣ ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስግጋር ደቂ ሰብን ዋሕዚ ስደትን ሓደ ካብ ቀንዲ ዛዕባታት እቲ ስምምዕ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ከተማ ላንደን ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃ፣ ካሪብያንን ፓሲፊክን፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ዋሕዚ ስደት ንምቅላል፣ ሕብረት ኤውሮጳ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዩሮ ከምዝሓገዘ፣ እንተኾነ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝውሕዙ ስደተኛታት ቁጽሪ ንምግታእ ካብተን ሃገራት ግቡእ ምትሕብባር ከምዘይተራእየ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ይገልጹ።

Read more...

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሕ/ ኢ/ ዓረብ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ሶማል ጸዊዑ

Radio Erena: 30 March 2018

somal

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሉኡላውነት ሶማል ትግህስ ብምህላዋ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ሶማል ጸዊዑ።

መንግስቲ ሶማል ነዚ ዝጽውዕ ዘሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ብምዃን ንወደብ በርበራ ናይ ምምሕዳሩ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሞም ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ብዘሎ ሓድሽ ወጥሪ'ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣካል ሶማል ክነሳ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከይተረዳድአት፣ ንወደብ በርበራ ክትውንኖ ምሕላና "ወራር'ዩ" ክብሉ ሰበ ስልጣን ሶማል ይኸሱ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.