c


ኣህጉራዊ ዜና

ኢትዮጵያ፣ ንሞት ዝተፈርዱ 40 እሱራት ብምሕረት ፈቲሖም

Radio Erena: 19 June 2018

prisoners in ethiopia

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሞት ዝተፈርዶም 40 እሱራት ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ሰባት ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ብምሕረት ምፍትሑ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ቅትለት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙ እሱራት ዝፈትሕ ዘሎ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዕርቅን ሰላምን መስርሕ ንምስልሳል ዝተኣወጀ ናይ ፖለቲካን ካልእ ገበናትን እሱራት ብምሕረት ናይ ምፍታሕ ውሳኔ'ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ኣብታ ሃገር ብዝተፈላለየ ገበናት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 45 ዜጋታት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከምዝፈትሐ ተሓቢሩ።

Read more...

ናብ ኤርትራ ኣዝያ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይቕጽል

Radio Erena: 17 June 2018

battle of hodeidahናብ ኤርትራ ኣዝያ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።

ኣብዚ ብቀዳም 16 ሰነ ዝወዓለ ኲናት፣ ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሖደይዳ ከምዝተቖጻጸረ ተሓቢሩ።

እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝጀመረ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብኢማራት ዓረብ ዝተመርሐ ኮይኑ፣ ነታ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ከም ቀንዲ ምንጪ እቶትን ወተሃደራዊ ዕጥቂ መጎዓዓዚትን ክጥቀሙላ ዝጸንሑ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ንምቁጽጻር ዝዓለመ’ዩ ኔሩ።

ወተሃደራውያን ሰበስልጣን የመን ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ መዓርፎ ነፈርቲ’ታ ከተማ ድሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዝኣተወን፣ ካብ ነተጉቲ ሓራ ንምግባሩ ክኢላታት ዳህሳስ የካዪዱ ከምዘለዉን ሓቢሮም።

Read more...

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዒላታት ነዳዲ ብሓባር ንምብርባሩ ይዝትያ

Radio Erena: 15 June 2018

sudan and south sudan

ሱዳን፣ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ሄግሊግ ዝርከብ ዒላታት ነዳዲ ዳግም ንፍርያት ምብቅዑ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘተ ተካይድ ከምዘላ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ ሚኒስተር ነዳዲ ኣዝሃሪ ዓብዱልቃድር ዓብደላ ዝመርሖ ወኪል መንግስቲ ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጁባ ብምምራሕ ምስ ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ ህዝቅኤል ሎ ጋቱክ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ'ዩ።

ብዋሕዲ ነዳዲ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ነዳዲ ዝጸዓና 12 መራኽብ ናብ ወደባ ኣጸጊዓ ተራግፍ ከምዘላ ገሊጻ'ላ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ'ውን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቕጽል ልቓሕ ነዳዲ ንምኽታም ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምዝርራብ ትርከብ።

Read more...

ሱዳንን ግብጽን ዝምድነአን ንምሕያል ይጽዕራ

Radio Erena: 17 June 2018

bashir erdoganላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ክራኸቡ ምዃኖም፣ ካብ ሱዳን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሱዳን ዑስማን ሻልቱት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝዝትየሉ እዋን፣ ብመሪሕነት ፕረዚደንታት ኣልበሽርን፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር ብዓርቢ 15 ሰነ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ሓባራዊ ዝምድና ንምድልዳል ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መብርሂ፣ ንሱዳንን ግብጽን ዘየረዳድአን ዘሎ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢን፣ ዋንነት ከባቢታት ሓላይብን ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ኣኼባ ከምዝኸውን ይገልጹ።

Read more...

ኢጣልያን ፈረንሳን ብጉዳይ ስደተኛታት ይሰሓሓባ

Radio Erena: 14 June 2018

juisepe and macronኢጣልያ፣ ልዕሊ 600 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ገማግም ባሕራ ከይትጽጋዕ ድሕሪ ምኽልካላ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ንዝሃቦ ነቐፌታ ኮኒና።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፣ ንኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሮማ ብምጽዋዕ ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ "ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ኢጣልያ" ክብል ዝሃቦ መግለጺ መብርሂ ክህበሉ ሓቲታ።

ኣብ ኢጣልያ፣ ሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን መጺእሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እታ ሃገር ስደተኛታት ጽዒነን ብማእከላይ ባሕሪ ንዝመጻ ጀላቡ ከምዘይትቕበል'ያ ትገልጽ ዘላ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.