c


ኣህጉራዊ ዜና

ጀርመን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብሞያ ንምስልጣን መደብ ትሕንጽጽ

Radio Erena: 30 October 2018

Germany invመንግስቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ሞያ ስልጠና ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ካብ 17 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ መደብ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት ኣበርከቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ክኾኑ ዝዓለመ'ዩ።

እዚ ብምወላ መንግስቲ ጀርመን ጀሚሩ ዘሎ፣ ናብ ስደተኛታትን ኣዕቑብዎም ዘሎ ሕብረተሰብን ዝቐንዐ ፕሮጀክት ሞያዊ ስልጠናታት ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ኣስታት 1500 ሰባት ተጠቐምቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።

መንግስቲ ጀርመን ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ንምሃብ ዝዓለመ ናይ ኣስታት 400 ሚልዮን ኤውሮ ስምምዕ ምኽታሙ ኣይርሳዕን።

Read more...

ደ.ሱዳን፣ ‘ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከፊቶም’ ተቓወምቲ ውድባት

Radio Erena: 28 October 2018

lam paul_ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዓበየ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

እቲ ውድብ ብዓርቢ 26 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢ ባሕረልጋዘል ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።

እቲ ዝወጸ መግለጺ ዝርዝራዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይብሉ፣ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ተነቃፊ እዋን ስለዝርከብ መንግስቲ ካብ ወተሃደራዊ መጥቃዕታት ክቑጠብ ጸዊዑ።

መራሕቲ መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክቆጻጸሩዎም ብዘይምኽኣሎም፣ ዘተ ሰላም ኣብ ዝተፈረመሉ ሒደት ሰዓታት ናብ ዳግማይ ኲናት ክኣትዉን ሓድሕድ ክካሰሱን ብተደጋጋሚ ክረኣዩ ጸኒሖም’ዮም።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ነበርቲ ክልላት ቤንሻንጉልን ኦሮሚያን ተጋጭዮም

Radio Erena: 25 October 2018

ethio_rayaኣብ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ኣብ ዝጎሃሃር ዘሎ ናይ ብሔር ግጭታት፣ ንክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮምያን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ዝነብሩ ተወላዶ ክልቲኡ ብሄራት ግጭት ምክያዶም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተወልዐ ዝተጠቕሰ ግጭጥ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ክግለጽ እንከሎ፣ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን'ውን ተቓጺሉ።

ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ብዝተኻየደ ግጭት 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉን 10ታት ኣሽሓት ከኣ ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቐሉን ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ጸጸኒሑ ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭት፣ ጸጥታ ናይቲ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ወለጋ ዝርከብ ዓድታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ስለዘሎ፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ተሰናኺሉ ምህላዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ቃል የረጋግጹ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ብሓደጋ መኪና 18 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 28 October 2018

ethi_car accidentኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፣ 18 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብቲ ብቀዳም 27 ጥቅምቲ ናይ ንግሆ፣ ናይ ሰራዊት መኪና ምስ ሚኒባስ ብምግጫው ዝተፈጥረ ሓደጋ፣ 12 ሰባት እውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ሺን ሁ ዋ ሓቢሩ።
ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ገና ኣብ መጽናዕቲ ስለዘሎ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ኢትዮጵያ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ ካብተን ዝወሓደ ተሽከርከርቲ ዘለወን ሃገራት እኳ እንተኾነት፣ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ጽርግያታትን፣ ኣብ መምርሒ ፍቓድ ምውጻእ ብዘሎ ምጥፍፋእን፣ ካብተን ብብዝሒ ሓደጋ ዝፍጸመለን ሃገራት ዓለም እያ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተላዕለ ናዕብን ግርግርን ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 23 October 2018

alamata unreastኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ብጉዳይ መንነት ራያ፣ ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 3 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ብሰንበት 21 ጥቅምቲ ኣብ ኣላማጣ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብስም ናይ መንነት ሕቶ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታትን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይን ከምዝተኻየደ ዝገለጸ ወሃቢ ሓበሬታ ናይቲ ክልል፣ ዝኾነ ዓይነት ሕቆ ዘለዉ ጉጅለ ብሕጋውን ደሞክራስያውን መንገዲ ደኣ'ምበር ጎነጽ ክጥቐም ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ።

መግለጺ ናይቲ ክልል ብተወሳኺ፣ በቲ ግጭት ሰለስተ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣመልኪቱ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.