c


ኣህጉራዊ ዜና

ኢትዮጵያ፣ ህንዳዊ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ወጻኢ ኩባንያን ክልተ ኢትዮጵያውያን መሳርሕቱን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 May 2018

indian in ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህንዳዊ ኣካያዲ ስራሕ ዳንጎት ዝተባህለ ብኩባንያ ናይጀርያ እትውነን ፋብሪካ ሰሜንቶ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ምንጭታት ዜና ኣረጋጊጾም።

እቲ ዲፕ ካራማ ዝተባህለ ህንዳዊ ማናጀር ምስ ክልተ ኢትዮጵያውን መሳርሕቱ ከምዝተቐትለ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቂ እቲ ቅትለት ተራ ናይ ስርቂ ገበን ዶ ወይስ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ'ዩ ገና ከምዘይተነጸረ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቕትለት ንዝፈጸሙ ሰባት ይሃድን ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

Read more...

ደቡብ ሱዳን፣ ተወሰኽቲ 150 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ክዋፈሩ

Radio Erena: 18 May 2018

south sudan

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዞባ ዩኒቲ ተወሰኽቲ 150 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ከዋፍር ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ኣህጉራዊ ውድብ ነዚ ዘፍለጠ፣ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዳግም ንምብርባሩ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምርኻቦም'ዩ።

ደቡብ ሱዳን ክልተ ዓመታት ድሕሪ'ቲ ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ዝኣወጀትሉ ዓመት ኣብ 2013 ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ምክትሉን ብዝተጓሃሃረ ግጭት፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ክቐዝፍ እንከሎ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ከኣ ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ።

Read more...

ግብጺ፣ 330 እሱራት ብምሕረትፕረዚደንት ተፈቲሖም

Radio Erena: 17 May 2018

sisiፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍን ወዲብኩምን ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣስሮም ንዝጸንሑ 330 ዜጋታት እታ ሃገር ብምሕረት ክፍትሑ ከምዝኣዘዘ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

ንሱ፣ ብምኽንያት'ቲ ትማሊ ሮቡዕ 16 ግንቦት ኣብ ካይሮ ዝተኸፍተ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቶም በብእዋኑ ዝተኣስሩ መብዛሕቶም መንእሰያት ክፍትሑ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

Read more...

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክፍተሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 17 May 2018

pm abiyብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጠር ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ማዕከን ዜና ቀጠር፣ ዘ ፔኑንሱላ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተላእከ ደብዳቤ ንኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ድሕሪ ምርካብ፣ ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ ተራኺቡ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ።

Read more...

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር ኣካይዱ

Radio Erena: 15 May 2018

beshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ምቅይያር ከምዝገበረ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ በብእዋኑ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ክኣሊ እኳ እንተጸንሐ፣ እዚ ትማሊ ሰኑይ 14 ግንቦት ዝተኻየደ ምቅይያር ግና ብውሕዱ ን15 ሚኒስተራት 10 ኣመሓደርትን ዝጸለወ'ዩ።

ፕረዚደንት በሽር ነዚ ምቅይያራት ናይ ሰበ ስልጣን ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣብ ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.