c


ኣህጉራዊ ዜና

ሱዳንን ቤላሩስን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 13 December 2018

 sudan and belarusሱዳንን ቤላሩስን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክተሓጋገዛ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ካብ ሚንስክ ሓቢረን።

ኣብ ቤላሩስ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሺር ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ዕደና፣ ሕርሻን ምትእትታው ሜካኒካዊ ቴክኖሎጂን ብዝቐልጠፈ ናብ ትግባረ ዝሰጋገረሉ መንገዲ ተመያይጦም።

ሱዳንን ቤላሩስን በጺሐንኦ ዘለዋ ስምምዓት፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ግብራዊ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ቤላሩስ ንሱዳናዊ መዘንኡ ኣረጋጊጽሉ።

ክልቲኤን ሃገራት ብዘይካ ኣብ ሲቪላዊ መዓላታት ዘገልግል ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት፣ ስምምዕ መሸጣ ወትሃደራዊ ኣጽዋር'ውን ከቲመን ከምዘለዋ'ዩ ዝግለጽ።

Read more...

ግብጺ፣ ኣብ ጅቡቲ ሎጂስቲካዊ ዞባ ከተቕውም'ያ

Radio Erena: 13 December 2018

djiboutiግብጺ ኣብ ጅቡቲ ሎጂስቲካዊ ዞባ ከተቕውም ምዃና ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ኢጅፕት ቱደይ ፣ ንኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ግብጺ መሓመድ ዞህር ሕርሲ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ጅቡቲ፣ ንግብጺ ሓደ ሚልዮን ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ መሬታ ፈቐዲትላ ከምዘላ ኣረጋጊጻ።

እቲ ግብጺ ኣብ ጅቡቲ እትውንኖ ዞባ፣ ንሎጂስቲካዊ መዓላ ከገልግል ምዃኑ እቲ ኣምባሳደር እኳ እንተጠቐሰ፣ ንሲቪላዊ ድዩ ወይስ ወትሃደራዊ ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ጅቡቲ፣ ንግብጺ ኣብ መሬታ ሓደ ዞባ ከተቕውም ምፍቓዳ፣ ነታ ብጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ኣብ ወሓዚ ናይል ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ጸቕጢ ክፈጥረላ ከምዝኽእል ይግለጽ።

Read more...

ከባቢታት ጎንደር ብናይ ብሄር ግጭት ይሕመስ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 December 2018

benshangኣብ ኢትዮጵያ ከባቢታት ጎንደር፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት እናበሰ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተጎሃሃረን ኣብ ሰብን ንብረትን ዕንወት ከምዝወረደን እኳ እንተረጋገጻ፣ እቲ ግጭት ናይ ብሄር ምዃኑ ግና ኣይሓበራን።

ይኹን'ምበር ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ቅማንትን ይካየድ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝርከባ ዓድታት በቲ ግጭት ተጸልየን ከምዘለዋ ዝሓበሩ ምንጭታት፣ ብፍላይ ጭልጋ ዝተባህለት ዓዲ፣ ከቢድ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ይካየደላ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

Read more...

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኤምባሲኣ ዳግማይ ትኸፍት

Radio Erena: 09 December 2018

mogadishu2ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኤምባሲኣ ዳግማይ ከፊታቶ።

ምንጭታት ዜና ካብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝፈነዉዎ ሓበሬታ፣ እዚ ድሕሪ 28 ዓመታት ዝኽፈት ዘሎ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ዕማም ይጽበዮ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ኣቐዲሙ ኣብ ናይሮቢ፣ ኬንያ ቤት ጽሕፈቱ ሰሪቱ ዝነበረ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ፣ ናብ ከተማ ሞቓድሾ ብምግዓዝ ነቲ ኤምባሲ ክመርሖ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ምኽፋት’ዚ ኤምባሲ ኣብ ሞቓድሾ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምስፋን ንዘካየዶ ጻዕርን ዓወታትን ምልክት እዩ ክብል ገሊጹዎ።

Read more...

ናይጀርያ፣ "በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት'የ" እናበለት ከተታልል ዝጸንሐት ሰበይቲ ተኣሲራ

Radio Erena: 06 December 2018

buharis wifeኣብ ናይጀርያ፣ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ'የ እናበለት ከተታልል ዝጸንሐት ሰበይቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ቢቢሲ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እታ ኣሚና መሓመድ ዝተባህለት ሰበይቲ፣ ፕረዚደንት ቡሃሪ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዘይነበርሉ እዋን ኣብ ታሕሳስ 2017፣ ናብ ፕረዚደንትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዝነብርሉ ቀጽሪ ከም በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት ተመሲላ ድሕሪ ምእታው፣ ንሓያሎ ወነንቲ ሃብትን ነጋዶን ብምዕዳም ከምዘታተለቶም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እቲ መንበሪ፣ ብፍሉይ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ከምዝእቶ ዝሓበረ ፖሊስ ናይጀርያ ድማ፣ ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ግና ምስ ፕሮቶኮሎም ስለዘይከይድ ብዙሕ ተፍትሽን ምጽራይን ከምዘይካየደሎም'ዩ ዘመልክት።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.