c


ዚምባብዌ፣ ሓካይምን መማህራንን ይእድሙ

Radio Erena: 10 January 2019

 zimb protዚምባብዌ፣ መማህራንን ሓካይምን ናይ ናብራ ምምሕያሽ ብምጥላብ፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ካብ ሃራረ ሓቢረን።

ኣማኢት ሓካይም እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ንዝጀመርዎ ኣድማ'ዮም፣ መማህራን ኣብዚ ሰሙን'ዚ ተጸንቢሮሞ ዘለዉ።

ኣብዚ ካብ ሮቡዕ 9 ጥሪ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መማህራን ክሳተፍዎ ትጽቢት ከምዘሎ ማሕበር መማህራን እታ ሃገር ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዚምባብዌ፣ ንነዊሕ ዓመታት ሓኒቑዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ናብራን ዝጠልብ ኣድማታት በብእዋኑ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።

ይኹን'ምበር ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ኣድማታት፣ እዚ እቲ ዝሰፍሐ ምዃኑ  ይግለጽ።

 

=========================  

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.