c


ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ተናዊሑ

Radio Erena: 10 July 2018

emarat militaryሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 12ኣዋርሕ ዝነበረ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ከምዘናውሓቶ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከተናውሖ ትግደድ ዘላ፣ ብሰንኪ'ቲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት'ዩ።

ብፈደረሽን ናይ ትሽዓተ ኢማራት ዝቖመት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ዘገድድ ኣዋጅ ኣብ 2014 ምውጽኣ ይፍለጥ።

ደቂንስትዮ'ውን ፍቓድ ወለዲ እንተረኺበን ብድሌተን ኣብዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፋ ከምዝኽእላ እቲ ኣዋጅ ይጠቅስ።

ኣስታት 9 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዚ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝዓሰበቶም ወትሃደራት ብብዝሒ ተሳትፍ ከምዘላ'ዩ ዝንገረላ።

=================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.