c


ሓረስቶት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶብ ተታዅሶም

Radio Erena: 05 July 2018

metemaኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት፣ ሓድሕዶም ከምዝተጋጨዉ ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ምዕራብ ጎንደር፣ ከባቢ መተማ፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ብረት ዝዓጠቑ ሓረስትቶ ዝተሳተፍዎ ብምዃኑ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ'ቲ ግጭት፣ ሓይልታት ሰራዊታ ብምዋፍር ነቲ ኩነታት ከተህድኦ ከምዝኽአለት'ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብ 'ኣል ፋሽጋ' ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ብዋንነቱ ሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት ክጋጨዉ እዚ ናይ ፈለማ ፍጻሜ ኣይኮነን።

ነዚ ጸጸኒሑ ዝጎሃሃር ግጭት ንምፍታሕ መንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ስምምዓት እኳ እንተኸተሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለ'ዩ ዝግለጽ።

====================== 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.