c


ክልተ ሰበ ስልጣን ክልል ደቡብ ናይ ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም

Radio Erena: 29 June 2018

Ethio

ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢህወደግን ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ክልል ደቡብ፣ ሲራጅ ፈጌሳን ሽፈራው ሽጉጤን ካብ ዝነበሮም መዝነታት ተኣልዮም።

እቶም ሰበ ስልጣን ብወለንትኦም ስልጣኖም ከምዝሓደጉ ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ኣብቲ ክልል ኣንጻሮም ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ከምዝተኣልዩ'ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ናብ ናይ ሰላምን ዕርቅን ጎደና ኣብ እትምርሸሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት ይካየድ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

በቲ ኣብ ባቲ፣ ከሚሴን፣ ሮቢትን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ስግኣት ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፣ ከተማ ኣሶሳ'ውን ብዝተጎሃሃረ ናይ ዓሌት ግጭት ብውሕዱ 2 ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ ይጠቕሱ።
=========================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.