c


ጅቡቲ፣ ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ወዲቓ

Radio Erena: 05 April 2018

us forceኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ከምዝወደቐት ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ AV-8B Harrier ዝዓይነታ ዝተራቐቐት ነፋሪት ኵናት ብሰሉስ 3 ሚያዝያ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምቦሊ ናይ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይበረረት'ያ ወዲቓ።

ኣብራሪኣ፣ ብጋንጽላ ክወርድ ብምኽኣሉ ከቢድ ጉድኣት ከምዘይወረዶ ዝሓበረ ሓይሊ ባሕሪ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብወገኑ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ለሞንየ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ ኣብ ባይታ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ይኹን ንብረት ዘብጽሓቶ ዕንወት ኣይተሓበረን።

 

================== 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.