c


ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ

Radio Erena: 08 February 2018

kirrደቡብ ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ኣምባሳደራ ክትስሕብ ዝወሰነት፣ ምምሕዳር ትራምፕ ብ2 ለካቲት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ናይ ኣጽዋር መሸጣ እገዳ ድሕሪ ምንባሩ'ያ።

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግ ጋይ ኣብ ሃቦ መግለጺ፣ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ እናተቓረበ እንከሎ፣ ኣመሪካ ዘይተሓስበ እገዳ ምንባራ ንተበግሶ ሰለማዊ ፍታሕ ዝዓናቕፍ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከም መርኣያ ተቓውምኡ ኣብ ዋሽንግተን ንዝነበረ ኣምባሳደሩ ከምዝሰሓበ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ይኹን'ምበር ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ምዋዮን ማኮል ኣሪክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣምባሳደር ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንምምኽካር ናብ ጁባ ከምዝተጸውዐ'ዩ ዝሕብር።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር መሸጣ እገዳ ዘንበረ፣ ኩሎም ወገናት እታ ሃገር ንዘተ ሰላም ቅሩባት ኣይኮኑን ብዝብል ምኽንያት'ዩ።

=============================== 

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.