c


ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ወዲቓ፣ ወራሲ ዓራት ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ስዑዲ ሞይቶም

Radio Erena: 07 November 2017

saudi helicopter

ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ብምውዳቓ፣ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብን ምክትል ኣማሓዳሪ ኣብ ዶብ ናይ እትርከብ ዞባ ኣሲርን መንሱር ቢን ሙቕሪን ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ከምዝሞቱ ወግዓዊ መግለጺ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ሄሊኮፕተር፣ ብሰንበት 5 ጥቅምቲ ናብ ከባቢ ዶብ የመን ድሕሪ ምንቅስቓሳ፣ ካብ ራዳር ተሰዊራ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሒራ ከምዝወደቐት'ዩ ተሓቢሩ።

ሞት እቲ ወራሲ ዓራት መንሱር ቢን ሙቕሪን ዝግለጽ ዘሎ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓያሎ ወረስቲ ዓራትን ሰበ ስልጣናታን ኣብ እትኣስረሉ ዘላ ግዜ በቲ ሓደ፣ ሑቲ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ፈተነ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን በቲ ካልእ ምዃኑ'ዩ።

 

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ጸጥታውን ውጥሪ ከምእትርከብ 'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

==========================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.