c


ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀ/ ሚኒስተር የመን ይገልጽ

Radio Erena: 24 October 2017

iran ship

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ዖባይድ ቢን ዳገሀር ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መልእኽቱ፣ እታ 19 ባሕረኛታት ዝነበሩዋ ናይ ኢራን መርከብ፣ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ እትርከብ ደሴት ሶኮትራ፣ ብየመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተታሕዘት'ዩ ጠቒሱ።

ይኹን'ምበር፣ እታ መርከብ፣ እንታይ ከምዝጸዓነትን ናበይ ተመርሕ ምንባራን ኣይሓበረን።

ኢራን ብዛዕባ ምትሓዝ መርከባ ኣመልኪቱ ብቀዳማይ ሚኒስተር የመን ንዝተዋህበ ሓበሬታ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

 

ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ኢራን ነቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ኣመንቲ ሽዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ ንምድጋፍ ኣጽዋርን ካልእ ሎጂስቲካዊ ሓገዛት ብመንገዲ ባሕሪ ኣቢላ ከምእትልእኽ'ዩ ዝወቅስ።
=====================

Share this post

Submit to FacebookSubmit to Google PlusSubmit to TwitterSubmit to LinkedIn



Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.