c


ኣህጉራዊ ዜና

ኢትዮጵያ፣ 2 ሚልዮን ከብትን ጤለ-በጊዕን ብደርቂ ይሞታ

Radio Erena: 15 August 2017

Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ከብቲ፣ ኣግማልን ጤለ-በጊዕን ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞታ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ህሉው ኩነታት ደርቂ፣ ብዝያዳ ነቲ ብጉስነት ዝነብር ሕብረተሰብ ኣጥቂዑ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ፣ ሞት ከብትን ጤለበጊዕን ማለት፣ ብርሰት ማለት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እዚ ብጉስነት ዝነብር ሕብረተሰብ ንመግቡ ይኹን ካልእ ንጥፈታቱ ኣብቶም ዝጓስዮም ከብትን ጤለበጊዕን ስለዝምርኮስ፣ ብፍላይ ኣዴታት፣ ነፍሰ ጾራትን ቆልዑን ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም'ውን ኣተሓሳሲቡ።

Read more...

ኣስታት 50 ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ዘስግሮም ብዝነበረ ሰብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 11 August 2017

ztehalu

ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ የመን ዝተበገሱ ኣስታት 50 ስደተኛታት፣ በቲ ዘስግሮም ዝነበረ ሰብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብዝዘርግሖ መግለጺ፣ ዛጊት ብዘካየዶ ዳህሳስ ናይ 25 ሰባት ሬሳ ከውጽእ እንከሎ ናይቶም ዝተረፉ ግና ዛጊት ክረኽቦ ኣይከኣለን።

መራሒ ናይታ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን ጽዒና ናብ ገማግም ባሕሪ የመን እትጽጋዕ ዝነበረት ጃልባ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ድሕሪ ምዕዛቡ፣ ነቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ባሕሪ ክዘሉ ከምዘገደዶምን ንገሊኦም ከኣ ባዕሉ ከምዝደፍኦምን'ዩ ዘመልክት ጸብጻብ ናይቲ ኣህጉራዊ ትካል።

Read more...

ሩዋንዳ፣ ፕረዚደንት ካጋመ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ደጊሙ ተዓዊቱ

Radio Erena: 08 August 2017

kagame

ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ደጊሙ ከምዝዕወት ብኣግኡ ክዝረበሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ብልዕሊ 98 ሚእታዊት ክዕወት'ዩ ዝብል ትጽቢት ግና ከምዘይነበረ ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

መራሒ ዕጡቓት ተቓዋሚ ጉጅለ ዝነበረ ፖል ካጋመ፣ ድሕሪ ዓሌታዊ ህልቂት ርዋንዳ ኣብ 1994 ከም ምክትል ፕረዚደንትን ሚኒስተር ምክልኻልን ኮይኑ ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን'ውን ነታ ሃገር ብዘይወግዓዊ መንገዲ ይመርሓ ምንባሩ ይፍለጥ።

Read more...

ኢትዮጵያ፣ ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተላዒሉ

Radio Erena: 08 August 2017

ethi

ብዓርቢ 4 ነሓሰ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ን10 ኣዋርሕ ጸኒሑ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣልዒልዎ።

እቲ ፓርላማ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዘልዓሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዝሓሸ ናይ ጸጥታ ኩነታት ስለትርከብ ምዃኑ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ብብልሽውና ኣብ ዝእሰርሉ ዘለዉ ግዜ፣ ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ግምሩክ ወይዘሮ ኣለም ጸሃይ ግርማይ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ ብፖሊስ ከምዝተታሕዘት ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

Read more...

ኣመሪካ ንኢትዮጵያን ኬንያን ናይ 169 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ

Radio Erena: 06 August 2017

ethio derqi       ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 169 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ለጊሳ።

      ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓሙስ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብደርቂ ተጠቒዐን ዘለዋ ኢትዮጵያን ኬንያን ህጹጽ ተወሳኺ ረዲኤት ከምዘድልየን ብምእማት፣ ነቲ ሓገዝ ክስልዖ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

Read more...




Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.