c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

20 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ እስራኤል ተጋሪዶም

20 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ናብ እስራኤል ዘእቱ ሓጹር ተጋሪዶም ንሽዱሽተ መዓልታት ብዘይመግብን ማይን ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እቶም ኤርትራውያን በረኻ ሲናይ ኣቋሪጾም ናብ ዶብ እስራኤል ኣብ ዘሎ 240 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ሓጹር ድሕሪ ምጽግዖም፣ ወትሃደርታ እስራኤል ስለዝኸልከልዎም’ዮም ኣብቲ ናይ ሓጹር ቦታ ረዳኢ ስኢኖም ዘለዉ።


ብማይ ጽምእን ተሰኒፎም ዝርከቡ እቶም ሓደ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓን ነፍሰ ጾርን ዝርከብዎም 20 ኤርትራውያን፣ ካብቶም ወትሃደራት ሓገዝ እኳ እንተሓተቱ፣ ኣብ ሓለዋ ዘለው ወትሃደራት እስራኤል ግና ብዘይካ ቁርብ ዝስተ ነገር ዝኾን ካልእ ፍታሕ ከምዘይገበሩሎም ጸብጻብ ታይምስ ኦፍ እስራኤል የመልክት።
ዘ ጋርድያን ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብወገና ንምንጭታት እስራኤል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ነፍሰ ጾር ምዃና ዝተገልጸት ሓንቲ ካብቶም ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ምንጻል ጥንሲ ከምዘጋጠማ እንተኾነ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይተገብረላ ኣፍሊጣ።
ነዚ ዝተዓዘቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ግብረ ሰናይን፣ መንግስቲ እስራኤል ህይወት እቶም 20 ሰባት ንምድሓን ርህራሄ ክገብር ከምዝጸውዑ ዘ ጋርድያን ብተወሳኺ ኣመልኪታ።
ወትሃደራት እስራኤል፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ሰለማውያን ሰባት ክበጽሕ እናተዓዘቡ ዘጽቐጡ፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኤሊ የህሻይ፣ ንኣርሚ ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር ዶባት እስራኤል ዝሰግሮ ስደተኛት የለን ድሕሪ ምባሉ’ዩ።
እቲ ሚኒስተት ብተወሳኺ፣ እዚ ሓጹርን ሓለዋ ዶባትን እንተዘይህልዉ፣ ናብ እስራኤል ዝመጹ ስደተኛታት በሽሓት ዘይኮኑ ብሚልዮናት ምበጽሑ ክብል’ውን ነዚ ኣብ ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣቕሊሉ ርእይዎ ኣሎ።
እቶም ኣብ ዶብ እስራኤል ኣብ ሓጹር ተጋሪዶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ቦታ ብዘሎ ዋዕን ጽምእን ማይን ተሰኒፎም ስለዝርከቡ ናብ ዝኾነ ቦታ ክንቐሳቐሱ’ውን ዓቕሚ ከምዝሓጽሮ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ናብ ሲናይ ግብጺ ከይምለሱ’ውን፣ ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሓደገኛ ናይ በዳዌንን ካልእን ፍጻሜታት ስለዘፍረሖም ኩነታቶም ሕማቕ ምህላዉ ትካላት ግብረ ሰናይ የመልክታ።

 

መዓልታዊ መደባት


PopUp MP3 Player (New Window)


Copyright © 2013 ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብማንም ዘይቅንጠጥ ሰብኣዊ መሰል'ዩ. All Rights Reserved.
Joomla! is Free Software released under the GNU General Public License.

Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.