c


Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai

ሬድዮ ኤረና ንምዕፋን ዝተማህዘ ተንኮል ካብ መ.ኤርትራ ምዃኑ ተፈሊጡ

ኣብ ዓራብ ሳት ንሰለስተ ሰሙን ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ዓፈና፣ ካብ ኤርትራ ዝተፈነወ ምዃኑ ኣካየድቲ ስራሕ ዓራብ ሳት ኣረጋጊጾም።
እቲ ሬድዮ ኤረና ንእትርከቦ ሓያሎ ፍርኬንሲታት ዓጽዩ ዝጸንሐ ብጽግዕተኛ ማዕበል ወይ ‘ፖራሳይት ዌቭ’ ዝተፈጸመ ዓፈና፣ ኣብ ፈለማ ምንጩ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ ድሒሩ ግና ካብ ኤርትራ ይፍኖ ከምዘሎ ዓራብሳት ከረጋግጽ ክኢሉ።
ኣራብሳት ተወሳኺ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ፣ ቴክኒሻናት ንሬድዮ ኤረና ካብቲ ኣብ ባድር 6 ዝርከብ ፍርኩዌንሲ ኣብ ዘውጽእሉ ሳትላይት ጽቡቕ ከምዝሰሕን፣ ሬድዮ ኤረና ንምምላስ እንተፈቲኖም ግና ከምዝኣብን ስለዝጠቐሱ፣ ዕላማ እቲ ምዕፋን ናብ ሬድዮ ኤረና ዝቐንዐ ክኸውን ከምዝክእል ይግመት።
እቲ ካብ 14 ታሕሳስ ከባቢ ሰዓት 4፣ 30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ክልተ መስከረም ከባቢ ሰዓት 6 ናይ ምሸት ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ካብ ኤርትራ ከምዝተፈነወ ዝተረጋገጸ ምዕፋን፣ ኣብ ቀጻሊ’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ።
ብተመሳሳሊ መርበብ ሓበሬታ ሬድዮ ኤረና'ውን፣ ብዘጋጠሞ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ደው ኢሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ሳትላይት ናይ ምዕፋን መስርሕን ናይ ሳይበር መጥቃዕትን፣ ሬድዮ ኤረና ኣብቲ ምስ ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚኒስተር መራኸቢታትን ኣቶ በረኽት ስምኦን ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ኤርትራ ናዕቢ ንምልዕዓል ፈቲና ክብል መንግስቲ ኤርትራ  ድሕሪ ዘቕረቦ ክሲ’ዩ ተፈጺሙ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣንጻር ሬድዮ ኤረና ዘቕረቦ ክሲ፣ እታ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት እትዳሎ ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ሬድዮ ኤረና ናዕቢ ንምልዕዓል ስለዝሰርሐት ካብ ኣገልግሎት ዓራብሳት ክትእገድ’ዩ ሓቲቱ ኔሩ።
እንተኾነ፣ ሬድዮ ኤረና ምስቲ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጉዳይ ምሕብሓብ ተቓወምትን፣ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ጉዳያት ክልቲኤን ሃገራት ብምትኳር ሕቶታታት ኣቕሪባ ደኣ እምበር፣ ናዕቢ ንምውላዕ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይወሰደት ናብ ዓራብሳት ኣብ ዝልኣኸቶ ደብዳቤ ምስ ቅዳሕ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብምስናይ ልኢኻ’ያ።


መዓልታዊ መደባት


PopUp MP3 Player (New Window)


Copyright © 2013 ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብማንም ዘይቅንጠጥ ሰብኣዊ መሰል'ዩ. All Rights Reserved.
Joomla! is Free Software released under the GNU General Public License.

Powered by Joomla!®. Designed by: free hosting no ads resell dot me domains Valid XHTML and CSS.