ዜና ኤርትራ
ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ፍሉይ ወኪል ው.ሕ.ኣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ንኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ፍሉይ ወኪል እቲ ውድብ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን መዚዝዎ።
መ. ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝወደቦ ለይታዊ ትልሂት ተበቲኑ
ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝወደቦ ለይታዊ ትልሂት ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ንዝተጓሃሃረን ዕግርግር፣ ፖሊስ እስራኤል ምሉእ ለይቲ ክብትንዎ ከምዝሓደሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሓቢሮም።
ዋንነቱ ዘይተፈልጠ መገዲ ኣየር ኣብ ኤርትራ
ማሳዋ ኤርወይስ ዝተባህለ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክልተ ቢች ክራፍት ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ናብ ኣህጉራዊ መዓፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከምዘእተወ መርበብ ሓበሬታ ኣቬሽን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ጉዳይ ኣቬሽን ዓለምና እዋናዊ ሓበሬታ ዝህብ ማዕከን ዜና፣ እተን ናብ ባጽዕ ኣትየን ዘለዋ ንኣሽቱ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፣ ምስተን ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ምስቲ መንገዲ ኣየር ዝተጸንበራ ክልተ ነፈርቲ ብሓባር ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ኣገልግሎታት ክውዕላ'የን።
ማ.ባሕሪ ናይ ዝሰግሩ ቁጽሪ ኤርትራውያን ይውስኽ
ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ እናበኣሰ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ካብ ትሪፖሊ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ዝሓልፋ ክልተ ኣዋርሕ ማለት ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ስደተኛታት ዝጸዓና 24 ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምእተበገሳ ኣምልኪቱ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ክወጽእ'ዩ
ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማል ክትስሕብ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣብ 2006 ናብ ሶማል ብምእታው ነቲ ብእስላማዊ መጋብኣያታት ተጠርኒፉ ዝነበረ ሓይሊ ብምፍራስ ኣብ 2009 ከምዝወጸት ኣይርሳዕን።

